መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስ.
“ብዙሓት ሰባት እተፈላለያ ሃይማኖታት ናብ ሓደ ሸቶ ዝመርሓ እተፈላለየ መገድታት ከም ዝዀና ገይሮም እዮም ዝርእይወን። ገሊኣቶም ከኣ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ከም ዘላ እዮም ዝኣምኑ። ብዛዕባዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ ጕዳይ እዚ እተነጽረልና ጥንቲ እተዘርበት ምስላ ዝሓዘት እያ።” ማቴዎስ 13:24-30 ኣጕልሕ።
Sept. 8
“ዘበን ኣምጽኦ ኽዳውንቲ ኣብ ህይወት ብዙሓት ሰባት ሓያል ጽልዋ ኣለዎ። ገሊኣቶም ኣብቲ ሰባት ዝኽደንዎ ክዳውንትን ኣብ ደጋዊ ትርኢትን መጠኑ ዝሓለፈ ኣትኵሮ ይግበር ከም ዘሎ ይስምዖም። ብዛዕባዚ እንታይ ሓሳብ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት ንቕሑ! እዚኣ ብዛዕባ ቅዲ ኽዳውንቲ ኽህልወና ዘለዎ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ትገልጽ።” ቈሎሴ 3:12 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መስ.
“ኣብዚ ግዜና ገሊኣቶም ኣብ ፍቕሪ ዘይብሉ ሓዳር ከም እተኣስሩ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ካብ ምንታይ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ፧ [መልሲ ተጸበ።] ስርዓታት ኣምላኽ ክሕግዘና ኸም ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና። [ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ንሓዳር ኸደልድል ዝኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እያ ሒዛ ዘላ።”
Sept. 22
“በቲ እንስሳታት ንምርድዳእ ዘለዎም ክእለት ንድነቕ ኢና። እንተዀነ ግን: ደቅሰብ ኣብ ገሊኡ መዳያት ፍሉያት ምዃኖም ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ መዝሙር 65:2 ኣንብብ።] ካብ እንስሳታት ፍልይ ዝበልና ብምዃንና: ንኣምላኽ ክንዛረቦን ንሱውን ክዛረበናን ንደሊ ኢና። እዛ መጽሔት እዚኣ ምስ ሰባት ብኸመይ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ከም እንለዋወጥ ከምኡውን ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እንዛረቦን ንሱውን ብኸመይ ከም ዝዛረበና ትገልጽ።”