መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ 2002
“ኣብዚ ግዜና ዳርጋ ዅሉ ሰብ ድራር ዕለቱ ንምምእራር ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞ ኣሎ። ኣብያተ-ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ቝጠባዊ ጸገማት የጋጥመን ኣሎ: መባእ ንኽረኽባ ዝገብርኦ ልመና ድማ እናተጋደደ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ልመና ቕጭ ኣምጺኡልካዶ ይፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ 1 ተሰሎንቄ 2:9 ኣንብብ።] እዛ ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ እንታይ ከም ዝብል ትገልጽ።”
ንቕሑ! ጥቅምቲ-ታሕሳስ 2002
“ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻን ግብረ-ሽበራን ብዙሕ ይጭነቑ እዮም። ምናልባት ንስኻውን ምስቲ ኣብ መክብብ 8:9 ዘሎ ቓላት ትሰማማዕ ትኸውን። [ኣንብብ: መልሲ ኸኣ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ብዛዕባ ኻብ ታሪኽ እንረኽቦ ትምህርቲ ትገልጽ: እዚ ዘሎ ኣገባብ ብኸመይ ከም ዝጠፍእ ድማ ትሕብር።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ታሕሳስ 2002
“ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ልደት የሱስ ይሓስቡ እዮም። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝገልጽ ዛንታ ጠቓሚ ትምህርትታት ክንረክብ ከም እንኽእል ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ኣብ ገጽ 5 ገንጺልካ ኣርእዮ እሞ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ገለ ኻብቲ እንረኽቦ ትምህርትታት ትገልጸልና።”