መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
1 ታሕሳስ 2001
“ኣብዚ ወርሓት እዚ ሰባት ህያባት ይወሃሃቡን ካልእ ሰናይ ነገራት ይገብሩን ኢዮም። እዚ ነታ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 7:12 ዝጠቐሳ ወርቃዊት ሕጊ ኢዩ ዘዘኻኽረና። [ኣንብብ።] ምሉእ ዓመት በዛ ሕጊ እዚኣ ኽንመላለስ ንኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ‘ወርቃዊት ሕጊ ሕጂውን ግብራዊት ድያ፧’ ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ ዝወጸት መጽሔት ብዙሕ ፍልጠት ትህብ ኢያ።”
ንቕሑ! ጥቅምቲ-ታሕሳስ 2001
“ኣብዚ ቐረባ እዋን ብሰንኪ ግብረ-ሽበራ ብሓንሳእ ኣሽሓት ሰባት ብሙማቶም ዓለም ተናዊጻ ኢያ። ብዙሓት ሰባት እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን ብምባል ይሓቱ ኢዮም። ሓደ ኻብቲ ነዚ ጠንቂ ዝዀኖ ነገራት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:15 ተጠቒሱ ዘሎ ምዃኑ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። [ኣንብብ።] ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ጠንቅታት ናይቲ ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ነገራት ጽልኢዶ ኸይኰነ፧ ጽልኢ ኻብ ዓለም እንተ ዝውገድ ነይሩኸ መብዛሕትኡ ሽግራትናዶ ኣይምተፈትሐን፧ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ሱር ጽልኢ እንታይ ምዃኑ ትገልጽ: ከነወግደሉ እንኽእል ጠቓሚ መገዲ ድማ ትሕብር ኢያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ታሕሳስ 2001
“ኣብዚ ወርሓት እዚ ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ብሓቂ ይእመንዎ ኣይእመንዎ ብዘየገድስ ብዛዕባኡ ይሓስቡ ኢዮም። ገሊኣቶም ህያው ኣካል ኣይነበረን ይብሉ ኢዮም። ብዛዕባዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧ [መልሲ ምስ ሃበ: ማቴዎስ 16:15, 16 ኣንብብ።] የሱስ ሕጅን ኣብ መጻእን ብኸመይ ከም ዝጸልወካ ንምፍላጥ ነዛ ‘እቲ ናይ ሓቂ የሱስ’ ዘርእስታ ዓንቀጽ ከተንብባ ኸም እትደሊ ኣይጠራጠርን ኢየ።”