መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካቲት 2002
“ብዛዕባ ኣከባብያዊ ብከላ ብዙሓት ሰባት ይጭነቑ ኢዮም። ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ብከላ ግን ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣካላውን መንፈሳውን ንጽህና ኽህልወና ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሕ ኢዩ። [2 ቈረንቶስ 7:1 ኣንብብ።] እዚ ሓበሬታ እዚ ጠቓምን ግብራውን ኰይኑ ኸም እትረኽቦ ርግጸኛ ኢየ።”
ንቕሑ!® ጥሪ-መጋቢት 2002
“ከም እትፈልጦ: ብዙሓት መንእሰያትና ብዛዕባ ህይወቶም ይጭነቑ ኢዮም። ገሊኣቶም ከኣ ናይ መንፈስ ጭንቀት የሕድሩ። ሓገዝ ክግበረሎም ዝከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ጠንቂ ናይዝን ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእልን ትሕብር ኢያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ለካቲት 2002
“ህይወትካ ኣብ ምምራሕን ኣገዳሲ ውሳነታት ኣብ ምግባርን እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ምዃኑ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ወርቃዊት ሕጊ ዝኣመሰለ ዝበለጸ መምርሒታት ይርከብ ኢዩ። [ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ።] ብቐጥታ ኽጠቕመና ዝኽእል እንታይ ካልእ ስርዓታት ኣምላኽ ኣሎ፧ መልሱ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ኽትረኽቦ ኢኻ።”