መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ
“ንጽል ወለዲ ኻብ ክልተ ወለዲ ንላዕሊ ጸገማት ከም ዜጋጥሞምስ ኣይትሰማማዓሉንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ጸገማት ዘለዎም ክንሓልየሎም ከም ዘሎና የተባብዓና እዩ። [መዝሙር 41:1 ኣንብብ።] እታ ኣብ ገጽ 22 እትጅምር ዓንቀጽ፡ ንንጽል ወለዲ ብኸመይ ክንሓልየሎም ከም ዘሎና ትገልጽ።”
Awake! December
“ብዙሓት ሰባት፡ ‘ኣምላኽ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ስለምንታይ ደኣ እሞ ንሰይጣን ዘየጥፍኦ፧’ ኢሎም ይሓቱ። ንስኻኸ ኸምዚ ኢልካ ሕቲትካ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ኣብ ገጽ 10ን ገጽ 11ን እትርከብ ዓንቀጽ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህብ። ብዘይካዚ፡ ድያብሎስ ምስ ጠፍአ ዓለም እንታይ ከም እትመስል ትገልጸልና።” ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ብዙሓት ሰባት ንገነት ኤድን ጽውጽዋይ ገይሮም እዮም ዚሓስብዋ። የሱስ፡ ኣዳምን ሄዋን ብሓቂ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝዀኑ ገይሩ ምዝራቡ ምፍላጥካ የገርመካዶ ይኸውን፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ማቴዎስ 19:4-6 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንገለ ኻብቲ ዅሉ ሳዕ ብዛዕባ ገነት ኤድን ዚሕተት ሕቶታት መልሲ ትህብ።”
Awake! January
ነቲ ኣብ ገበር ዘሎ ኣርእስቲ ምስ ኣርኣኻዮ ኸምዚ ዚስዕብ በል፦ “ነዛ ሕቶ እዚኣ ብኸመይ ምመለስካያ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሰባት፡ ሰላማውያን ኪዀኑ ቕዱሳት ጽሑፋት ይምሕጸን። [ያእቆብ 3:17 ኣንብብ።] ሃይማኖት ንደቂ ሰብ ሓደ ዘይገበሮም ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ሃይማኖት ሰላም ኣብ ምምጻእ ጽልዋ ይህልዎዶ ይኸውን፧ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ትህብ።”