ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብዛ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ብዙሓት ሰባት ነቲ፡ ‘መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን’ ዚብል ኣብታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትበሃል ጸሎት ዚርከብ ቃላት ይደግምዎ እዮም። እዛ መንግስቲ እዚኣ እንታይ ትመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ኣፋፍኖት ትህብ እያ።” ዳንኤል 2:44 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ብዓል ቤት ናይ 1 ሓምለ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ፣ ነቲ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳብ ኣንቢብካ ኸኣ ተመያየጡሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ኣብ ዚቕጽል እዋን ተመሊስካ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ኸኣ፡ ቈጸራ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓምለ
“ህይወት ሓጻርን ብጸገማት ዝመልአትን ስለ ዝዀነት፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ትርጕም ህይወት የተሓሳስቦም እዩ። ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ህይወት ከም ዚቕየር ይመባጻዕ እዩ። [ራእይ 21:4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማን ሕጂ እውን እንተ ዀነ ብኸመይ ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት ኪርከብ ከም ዚከኣልን ትሕብር።”
Awake! July
ኣብ ዜና ብዛዕባ ዝሰማዕካዮ ዜሕዝን ፍጻመ ጥቐስ። ድሕሪኡ ኸምዚ በል፦ “ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኬጋጥም ዘፍቀደ ስለምንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚሳቐዩ ሰባት ከም ዚድንግጸሎም ይሕብረና እዩ። [ዘጸኣት 3:7 ኣንብብ።] ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዘፍቀደን ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዜወግዶን እውን ይነግረና እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጸልካ እያ።”