ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ኣምላኽ ብዛዕባ ጸሎትና ኸመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧ ኣኽቢሩ ዚርእዮዶ ወይስ ሰሚዑ ኸም ዘይሰምዐ ጥራይ ዚርእዮ ይመስለካ፧ መልሲ ተጸበ። ነታ ኣብ ናይ 1 ሓምለ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 16 ዘላ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓምለ
“ኣምላኽ ኵሉ ዚኽእል ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ዓለም ዜጋጥም ሕማቕ ነገራት፡ ተሓታቲ ኪኸውን ዘለዎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ያእቆብ 1:13 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ሕማቕ ነገራት ስለምንታይ ከም ዜጋጥምን ኣምላኽ ንእከይን ንመከራን ንኼጥፍኦ እንታይ ከም ዚገብርን ትገልጽ።”
ንቕሑ! ሓምለ
“ውዒሉ ሓዲሩ፡ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ብኸም ባህርያዊ ሓደጋ፡ ንህይወት ብዜስግእ ሕማም ወይ ብሞት እተፍቅሮ ሰብ ዝኣመሰለ፡ ገለ ዓይነት ዜሕዝን ኵነታት ኪሳቐ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝበለ ነገራት ኬጋጥም ከሎ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣገዳሲ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት፡ ነዚ ዜሕዝን ኵነታት ንምጽዋር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጋዚ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ። [ሮሜ 15:4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ትገልጽ።”