ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/13 ገጽ 4
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 6/13 ገጽ 4

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦

“ኣብ ማሕበረ ሰብና ዚርከብ ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ ነዊሕ ዕድመን ሕጉስ ሕይወትን ኪነብር እዩ ዚደሊ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ብዚምልከት ርእይቶኻ ኽንሰምዕ ምደለና፦ ስነ ፍልጠትን መድሃኒትን ሓደ መዓልቲ ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእል ዚገብር ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እንታይ ከም እትብል እስከ ርአ።” ነቲ ብዓል ቤት፡ ነታ ኣብ ናይ 1 ሓምለ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እትርከብ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ድማ፡ ቈጸራ ግበር።

መዘኻኸሪ፦ እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም ኣብ ዚግበር ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ብመርኣያ ኪቐርብ ኣለዎ።

ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓምለ

“ምስ ጐረባብትና ብዛዕባ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ሃይማኖታውያን ሰባት እትመላለስ ሓንቲ ሕቶ ንዘራረብ ኣለና፦ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና መከራ ይግደስ ድዩ፧ ዓይነቱ ደኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት፡ ጸገም ጥዕና፡ ቍጠባዊ ወይ ስምዒታዊ ውጥረት ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ መከራ የጋጥም እዩ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ መከራ ደቂ ሰብ ይግደስዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ህዝቡ ዜጋጠሞም ዝነበረ መከራ እንታይ ከም ዝበለ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዘጸኣት 3:7 ተገሊጹ ኣሎ። [ነታ ጥቕሲ ኣንቢብካ ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ሓልዮት ኣጕልሓዮ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነታ ሕቶ ዚምልስ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ኽትህበካ እያ።”

ንቕሑ! ሓምለ

“ኣብዚ ኸባቢ ምስ ዚርከባ ስድራ ቤታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚርከብ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ ማለት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንዘራረብ ኣለና። የሱስ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኽንጽሊ ኸም ዝነገረና ትዝክሮ ትኸውን ኢኻ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ምስ መጸት ግና፡ እንታይ ኪህሉ ኢና ትጽቢት ክንገብር እንኽእል፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዛ ኣብ ዳንኤል 7:14 እትርከብ ጥቕሲ ኸነርእየካዶ፧ [ነታ ጥቕሲ ኣንቢብኩም ተመያየጡላ።] ነዛ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት እትገልጽን ዝሓሸ መጻኢ ኺህልወና ኸም ዚኽእል ዚገልጽ ርግጽ ተስፋ ኸም ዘሎ እትገልጽን ዓንቀጽ ከተንብባ ነተባብዓካ።”

ብስራት ኣምላኽ

“ኣብዚ ኸባቢኹም ንዚነብራ ስድራ ቤታት፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተባብዕ ሓሳባት ምእንቲ ኸነመያይጠን ኢልና ንበጽሐን ኣለና። መብዛሕትኦም ዘዘራረብናዮም ሰባት፡ ሓደ ፈቃር ኣምላኽ፡ እዚ ዘይብሃል መከራ ንኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ ምዃኑ ኸም ዚገርሞም ሓቢሮምና እዮም። ኣምላኽ መጀመርታ ንምድሪ ኺፈጥራ ኸሎ፡ መከራ ኺህሉ ዕላማ ዝነበሮዶ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ትምህርቲ 5 ገንጽል እሞ፡ ነተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ሕጡብ ጽሑፋትን ነቲ ብሰያፍ እተጻሕፈ ጥቕስታትን ኣንቢብካ ተመያየጠሉ። ነታ ብሮሹር ኣበርክታ፡ ነታ ብድሙቕ እተጻሕፈት ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ድማ ቈጸራ ግበር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ