“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”
1. ምስ ሓራቓት ሰብ ቤት ኣብ እንራኸበሉ እዋን፡ ነየናይ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ኽንትግብሮ ዚግብኣና፧
1 ህዝቢ የሆዋ፡ ፈተውቲ ሰላም እዮም፣ ኣገልግሎትና ድማ ሰላም ዜንጸባርቕ እዩ። (ኢሳ. 52:7) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ናብ ቤቶም ስለ ዝኸድናዮም ዚሓርቁ ሰባት የጋጥሙና እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ሰላማውያን ንኽንከውን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧—ሮሜ 12:18።
2. ኣስተውዓልቲ ኽንከውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
2 ኣስተውዓሊ ኹን፦ ገሊኦም ሰባት ዚሓርቁ፡ ንሓቂ ስለ ዚጻረሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ገሊኣቶም ግና ምስ መልእኽትና ብዘይተሓሓዝ ምኽንያት ኪሓርቁ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ኣብ ዘይግቡእ እዋን ስለ ዝኸድናዮም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ብዓል ቤት፡ ብምኽንያት ውልቃዊ ጸገማቱ ኺሓርቕ ይኽእል እዩ። ዋላ እውን በቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ሓረቐ፡ ምናልባት ተታሊሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 4:4) ኣስተውዓልቲ ምዃንና፡ ንኽንሃድእን እቲ ብዓል ቤት ብኣና ኸም ዝሓረቐ ጌርና ብምሕሳብ ንኸይንቝጣዕን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ምሳ. 19:11።
3. ነቲ ብዓል ቤት ኣኽብሮት እንርእዮ ብኸመይ ኢና፧
3 ኣኽብሮት ኣርኢ፦ ኣብ ክልና እንረኽቦም ብዙሓት ሰባት፡ ጽኑዕ እምነታት እዩ ዘለዎም። (2 ቈረ. 10:4) ንኺሰምዑና ወይ ንኸይሰምዑና ናይ ምውሳን መሰል ከኣ ኣለዎም። ስለዚ፡ ንእምነት እቲ ብዓል ቤት ከነነኣእሶ ወይ ከኣ ነቲ ብዓል ቤት ኣትሒትና ኽንርእዮ የብልናን። ክንከይድ እንተ ሓቲቱና፡ ብኣኽብሮት ክንከይድ ኣሎና።
4. ብልእመት ምዝራብ እንታይ ማለት እዩ፧
4 ብልእመት ተዛረብ፦ ዋላ እውን እንተ ተጸረፍና፡ ምላሽና ልኡም ኪኸውን ኣለዎ። (ቈሎ. 4:6፣ 1 ጴጥ. 2:23) ኣብ ክትዕ ኣብ ክንዲ እንኣቱ፡ ዜሰማምዓና ነጥብታት ኢና እነናዲ። ምናልባት ነቲ ብዓል ቤት፡ ስለምንታይ ከም እተቓወመና ብሕያውነት ክንሓትቶ ንኽእል ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ብዝያዳ ምእንቲ ኸይነሕርቖ፡ ምይይጥና ምቍራጽና ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ምሳ. 9:7፣ 17:14።
5. ኣብ ኣገልግሎት ሰላማውያን ምዃንና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
5 ሰላማውያን እንተ ዄንና፡ እቲ ብዓል ቤት ነቲ ዝሃብናዮ ምላሽ ኪዝክሮ፡ ኣብ ዚቕጽል እዋን ካልእ ሰብ ኪምስክረሉ ኸሎ ድማ ኪሰምዕ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:20, 21) ዋላ እውን ብተደጋጋሚ እንተ ተጻረረና፡ ሓደ መዓልቲ ሓውና ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ገላ. 1:13, 14) ብዛዕባ ሓቂ ተገዳስነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገስ፡ ገዛእ ርእስና እንተ ገቲእናን ሰላማውያን ምዃንና እንተ ኣርኢናን፡ ንየሆዋ ኸነኽብሮ ኢና፣ ንትምህርትና ኸኣ ክንስልሞ ኢና።—2 ቈረ. 6:3።