ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንእተቘጥዐ ብዓል ቤት ብኸመይ ከም እትምልሰሉ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፦ ብዙሓት ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ብትሕትና እዮም ዚቕበሉና። እንተ ዀነ ግና፡ የሱስ ገሊኦም ከም ዚጸልኡና ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 17:14) ሓደ ብዓል ቤት እንተ ተቘጢዑና እምበኣር ኬገርመና የብሉን። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ነቲ እንውክሎ የሆዋ ብዜሐጕሶ መገዲ ኽንምልስ ኢና እንደሊ። (ሮሜ 12:17-21፣ 1 ጴጥ. 3:15) ከምኡ ምግባርና ነቲ ዅነታት ከም ዘይጋደድ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ብዓል ቤትን ንኻልኦት ተዓዘብትን ምስክርነት ዚህብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ካልእ መዓልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሕዎም ከለዉ፡ ንኺሰምዑ ኺድረኹ እዮም።—2 ቈረ. 6:3።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካ፡ ነዚ ተለማመደሉ።
ምስ ሓደ እተቘጥዐ ብዓል ቤት ምስ ተፈላለኹም፡ ብኸመይ እንተ ትምልሰሉ ኔርካ ዝሓሸ ኪኸውን ከም ዚኽእል ምስ መገላግልትኻ ተመያየጥ።