ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ታሕሳስ ገጽ 5
  • “እነኹ፡ ልኣኸኒ!”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እነኹ፡ ልኣኸኒ!”
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ብሕታዊ መስዋእቲ ኣቕሪቦም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ መስዋእትታት ክትከፍል ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ግዓዝ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእትታት ምቕራብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ታሕሳስ ገጽ 5

ክርስትያናዊ ህይወት

“እነኹ፡ ልኣኸኒ!”

ኣባላት ስድራ ቤት ዊልያምስ ይዳለዉ፡ ናብ ወጻኢ ኸኣ ይግዕዙ

ኢሳይያስ ንዘርኣዮ መንፈስ ፍቓደኛነት ክንቀድሖ ይግባእ። ዋላ እኳ ንዅሉ ዝርዝር ነገራት እንተ ዘይፈለጦ፡ እምነት ከም ዘለዎን ኪሕግዝ ድልዊ ኸም ዝዀነን ብኡብኡ ኣርእዩ እዩ። (ኢሳ 6:8) ንስኻኸ፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ምእንቲ ኸተገልግል ኵነታትካ ኸተተዓራሪ ምኸኣልካዶ፧ (መዝ 110:3) ሓቂ እዩ፡ ብዛዕባኡ ኣቐዲምካ ‘ኽትጽብጽብ’ ኣገዳሲ እዩ። (ሉቃ 14:27, 28) ይኹን እምበር፡ ምእንቲ ዕዮ ስብከት ኢልካ መስዋእቲ ኽትከፍል ፍቓደኛ ኹን። (ማቴ 8:20፣ ማር 10:28-30) ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ የገልግሉ ኣብ ዘርእስታ ቪድዮ ኸም ዝጐልሐ፡ እቲ እንገብሮ መስዋእቲ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ምስቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንረኽቦ በረኸት ዚወዳደር ኣይኰነን።

ነታ ቪድዮ ምስ ረኣኻያ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣባላት ስድራ ቤት ዊልያምስ ኣብ ኢኳዶር ምእንቲ ኼገልግሉ እንታይ ብሕታዊ መስዋእትታት እዮም ከፊሎም፧

  • ዜገልግሉሉ ቦታ ኺመርጹ ኸለዉ፡ እንታይ ረቛሒታት እዮም ኣብ ግምት ኣእትዮም፧

  • እንታይ በረኸት ረኺቦም፧

  • ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልይሉ ቦታ ንምግልጋል፡ ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ እትኽእል ኣበይ ኢኻ፧

ኣብ ዚቕጽል ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦

  • ኣገልግሎትና ብስድራ ቤት ከነስፍሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (km 8/11 4-6)

  • ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድና ኸነገልግል ዘይንኽእል እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣብ ጉባኤና በየናይ መገድታት ክንሕግዝ ንኽእል፧ (w16.03 23-25)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ