ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 ሓምለ ገጽ 3
  • ፈላምነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፈላምነት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዚኸውን ዚነኣድ ሸቶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • 1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ይድለዩ ኣለዉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ክንደግሞዶ ኢና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ዕቤት የሆዋ ንገር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 ሓምለ ገጽ 3
ሓንቲ ጐርዞን ወለዳን ዓባያን ብዛዕባ መደባቶም ይመያየጡ።

ክርስትያናዊ ህይወት | ንሓድሽ ኣገልግሎት ዓመት ሸቶ ኣውጽእ

ፈላምነት

መንፈሳዊ ሸቶ ምስ እነውጽእ፡ ንጕልበትና ብጥበብ ኢና እንጥቀመሉ። (1ቈረ 9:26) ኣብዚ መወዳእታ ስርዓት እዚ፡ ሸቶ ምውጻእ ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ይሕግዘና እዩ። (ኤፌ 5:15, 16) እሞ ደኣ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካ ንዚቕጽል ዓመት ስለምንታይ ሸቶ ዘይተውጽእ፧ እዛ ደብተር ኣኼባ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዚሕግዘካ ብጸሎት ክትሓስበሉ እትኽእል እተፈላለየ ዓንቀጻት ሒዛ ኣላ።—ያእ 1:5።

ንኣብነት፡ ካብ ስድራ ቤትካ እንተ ወሓደ ሓደ ሰብ ስሩዕ ፈላሚ ምእንቲ ኪኸውን ክትሕግዞ ትኽእልዶ፧ ነቲ ኸተማልኦ ዚግባእ ሰዓት ክትበጽሖ ኸቢድ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንሓደ ምስ ናትካ ዚመሳሰል ኵነታት ዘለዎ ፈላሚ ኣዘራርቦ። (ምሳ 15:22) ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ንሓደ ፈላሚ ቓለ መጠይቕ ክትገብሩሉ እውን ትኽእሉ ኢኹም። ድሕሪኡ፡ ክትበጽሖ እትኽእል መደባት ጽሓፍ። ፈላሚ ዄንካ ተገልግል እንተ ኔርካ፡ ሕጂ እውን ከም ብሓድሽ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል እንተ ዄንካ ዅነታትካ መርምር።

ሓደ ኻብ ኣባል ስድራ ቤትካ ንሓደ ወርሒ ወይ ንኣዋርሕ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ይኽእልዶ ይኸውን፧ ዓቕምኻ ድሩት እንተ ዀይኑ፡ መዓልታዊ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ብምግልጋል ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእል ኢኻ። ምሉእ መዓልቲ እትሰርሕ ወይ ምሉእ መዓልቲ እትምሃር እንተ ዄንካ፡ ኣብ መንጎ ሰሙን ከተገልግል ግዜ ኣይህልወካን ይኸውን፣ እንተ ዀነ ግና፡ በዓላት ወይ ሓሙሽተ ቀዳመ ሰናብቲ ዘለዎ ወርሒ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን መደብ ከተውጽእ ከለኻ፡ መደባትካ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ወይ ኣብ መዘኻኸሪ ጽሓፍ።—ምሳ 21:5።

ነታ ትብዑ!—ኣቱም ፈለምቲ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

  • ተመክሮ ሓብትና ኣማንድ፡ የሆዋ ነቶም ፈለምቲ ኪዀኑ መስዋእቲ ዚኸፍሉ ኸም ዚሓልየሎም ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ