ረቡዕ 15 ጥቅምቲ
ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ።—ራእ. 1:8።
እታ ኣልፋ እትብሃል ፊደል፡ ናይ መጀመርታ ናይ ግሪኽኛ ፊደል እያ፣ እታ ኦሜጋ ኸኣ ናይ መወዳእታ እያ። የሆዋ በቲ “ኣልፋን ኦሜጋን” ዚብል መግለጺ ገይሩ፡ ሓደ ነገር እንተ ጀሚሩ፡ ናብ መወዳእታኡ ኸም ዜብጽሖ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ምስ ፈጠሮም፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን” በሎም። (ዘፍ. 1:28) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ “ኣልፋ” ኢሉ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ዕላማኡ ብንጹር ገሊጹ እዩ፦ ፍጹማትን እዙዛትን ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ንምድሪ ዚመልኡሉን ናብ ገነት ዚቕይሩሉን እዋን ከም ዚመጽእ እዩ ሓቢሩ። ኣብ መጻኢ እዚ ምስ ተፈጸመ ድማ የሆዋ “ኦሜጋ” ኺብል እዩ። “ሰማያትን ምድርን ኵሉ ኣባታቶም ዘሎን” ፈጢሩ ምስ ወድአ፡ ውሕስነት ኣትዩልና እዩ። ንሱ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ብርግጽ ከም ዚፍጽሞ እዩ ውሕስነት ኣትዩ። እቲ ዕላማኡ እቲ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ።—ዘፍ. 2:1-3። w23.11 5 ¶13-14
ሓሙስ 16 ጥቅምቲ
መገዲ የሆዋ ጽረጉ! ኣብ ምድረ በዳ ንኣምላኽና ጐደና ኣቕንዑ።—ኢሳ. 40:3።
ካብ ባቢሎን ናብ እስራኤል ዚወስድ ኣጸጋሚ ጕዕዞ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቢሉ ኺወስድ ይኽእል ነይሩ እዩ። የሆዋ ግና ኬጋጥሞም ዚኽእል ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋታት ከም ዚጸርገሎም ቃል ኣተወሎም። እሙናት ኣይሁድ ግና ናብ እስራኤል ብምምላስ ዚረኽብዎ ጥቕምታት፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ኪኸፍልዎ ዚኽእሉ መስዋእትታት ከም ዚበልጽ ኣይሰሓትዎን። እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ በረኸት ምስ ኣምልኾኦም እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። ኣብ ባቢሎን ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣይነበረን። እቲ እስራኤላውያን ብሕጊ ሙሴ እተኣዘዝዎ መስዋእትታት ኬቕርቡሉ ዚኽእሉ መሰውኢ እውን ኣይነበረን። ነቲ መስዋእትታት ዜቕርቡ እተወደቡ ኻህናት እውን ኣይነበሩን። ብዘይካዚ፡ ኣብታ ዓዲ እቲኣ፡ እቶም ንየሆዋ ዀነ ንመለክዒታቱ ኣኽብሮት ዘይነበሮም ኣረማውያን ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ህዝቢ የሆዋ ኣጸቢቖም ይበዝሑ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣይሁድ ናብቲ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቦታኡ ዚምለሰሉ ዓዶም ንምምላስ ተሃንጥዮም እዮም ነይሮም። w23.05 14-15 ¶3-4
ዓርቢ 17 ጥቅምቲ
ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።—ኤፌ. 5:8።
ወትሩ “ኸም ደቂ ብርሃን” ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብዛ ርኽስቲ ዓለም ንጹህ ኴንካ ምምልላስ ቀሊል ኣይኰነን። (1 ተሰ. 4:3-5, 7, 8) መንፈስ ቅዱስ ምስ ናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ንምቅላስ፡ እንተላይ ምስቲ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዘይሳነ ፍልስፍናታትን ኣረኣእያታትን ንምቅላስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ መንፈስ ቅዱስ “ኵሉ ሰናይን ጽድቅን” ከነፍሪ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 5:9) ሓደ ኻብቲ መንፈስ ቅዱስ ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ፡ ኪውሃበና ብምጽላይ እዩ። የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (ሉቃ. 11:13) ብተወሳኺ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንየሆዋ ብሓባር ክንውድሶ ኸለና፡ መንፈስ ቅዱስ ንረክብ ኢና። (ኤፌ. 5:19, 20) እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዜሕድሮ ጽቡቕ ጽልዋ፡ ንኣምላኽ ባህ ብዜብሎ መገዲ ኽንነብር ይሕግዘና እዩ። w24.03 23-24 ¶13-15