ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 40
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ንህዝቢ ኣምላኽ ኣጸናንዕዎ (1-11)

        • ድምጺ ኣብ በረኻ (3-5)

      • ዕቤት ኣምላኽ (12-31)

        • ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኻብ መገለል (15)

        • ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ “ኸባብ ምድሪ” ይቕመጥ (22)

        • ንኸዋኽብቲ ብስሞም ይጽውዖም (26)

        • ኣምላኽ ከቶ ዘይደክም እዩ (28)

        • ብየሆዋ ተስፋ ምግባር ሓድሽ ብርታዐ ይህብ (29-31)

ኢሳይያስ 40:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 49:13፣ 51:3፣ 2ቈረ 1:3, 4

ኢሳይያስ 40:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንየሩሳሌም ኣደዓዕስዋ።”

  • *

    ወይ፡ “ዕጽፊ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 79:8, 9፣ ኤር 31:34፣ 33:8
  • +ኤር 16:18፣ ዳን 9:11, 12

ኢሳይያስ 40:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣዳልዉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 35:8፣ 57:14፣ ሚል 3:1
  • +ኢሳ 11:16
  • +ማቴ 3:1, 3፣ ማር 1:2-4፣ ሉቃ 3:3-6፣ ዮሃ 1:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገጽ 19

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” 2ዜና-ኢሳ፡ ገጽ 31

ኢሳይያስ 40:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 42:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    5/2023፡ ገጽ 15

ኢሳይያስ 40:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኵሉ ሰብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 24:15
  • +ኢሳ 49:6፣ 52:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 32

ኢሳይያስ 40:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኵሉ ሰብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 14:1, 2፣ መዝ 90:5, 6

ኢሳይያስ 40:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መንፈስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ያእ 1:11
  • +መዝ 103:15, 16

ኢሳይያስ 40:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 46:10፣ 1ጴጥ 1:24, 25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    2/2023፡ ገጽ 2-3

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 5

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    9/2017፡ ገጽ 18-22

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1997፡ ገጽ 10-15

ኢሳይያስ 40:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 52:7
  • +ኢሳ 12:2፣ 25:9

ኢሳይያስ 40:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 53:1፣ ዮሃ 12:37, 38
  • +ኢሳ 62:11፣ ራእ 22:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2019፡ ገጽ 5

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/2007፡ ገጽ 26

ኢሳይያስ 40:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኺጓስየን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 49:10፣ ህዝ 34:15, 16፣ 1ጴጥ 2:25
  • +ዘፍ 33:13፣ 1ጴጥ 5:2, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 20-21፡ 68-70

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2019፡ ገጽ 7

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2013፡ ገጽ 27

    1/4/2007፡ ገጽ 26

    1/7/2003፡ ገጽ 11

ኢሳይያስ 40:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኢድ ምስ ተዘርግሐ፡ ኣብ መንጎ ጫፍ ዓባይቶን ሕንጥሊቶን ዘሎ ርሕቀት። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 30:4
  • +እዮ 38:4, 5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 7/2022፡ ገጽ 9-10

ኢሳይያስ 40:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እተረድኦ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 36:22, 23፣ ሮሜ 11:34፣ 1ቈረ 2:16

ኢሳይያስ 40:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 147:5

ኢሳይያስ 40:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 62:9

ኢሳይያስ 40:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሓዊ ዚኸውን እኹል ዕንጨይቲ ኺህብ ኣይክእልን።”

ኢሳይያስ 40:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 4:35
  • +ኢሳ 41:11, 12

ኢሳይያስ 40:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 8:10፣ መዝ 86:8፣ ኤር 10:6, 7
  • +ዘዳ 4:15, 16፣ ግብ 17:29

ኢሳይያስ 40:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ፍሱስ ምስሊ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 115:4-8

ኢሳይያስ 40:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 44:14, 15
  • +ኢሳ 41:7፣ 46:6, 7፣ ኤር 10:3, 4

ኢሳይያስ 40:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 19:1፣ ሮሜ 1:20

ኢሳይያስ 40:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ድምብልብሎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 66:1
  • +ኢሳ 44:24፣ ኤር 10:12፣ ዘካ 12:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 78፡ 154

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 1 2018፡ ገጽ 6

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2011፡ ገጽ 24-26

    ንዅሎም ዚኸውን መጽሓፍ፡ ገጽ 18-19

    ፍልጠት፡ ገጽ 17

ኢሳይያስ 40:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንገዛእቲ።”

ኢሳይያስ 40:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:20, 21፣ 2ነገ 10:10, 11፣ ኤር 22:24, 30

ኢሳይያስ 40:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 102:25
  • +መዝ 147:4
  • +መዝ 89:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 50

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2018፡ ገጽ 8

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2011፡ ገጽ 28

    15/2/2011፡ ገጽ 6-7

    1/5/2008፡ ገጽ 6

    1/2/2005፡ ገጽ 5

    15/6/1999፡ ገጽ 19-20

    1/4/1996፡ ገጽ 10-11

    ንዘለኣለም ምንባር፡ ገጽ 35-36

ኢሳይያስ 40:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 49:14፣ ህዝ 37:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2007፡ ገጽ 9

ኢሳይያስ 40:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክትግንዘቦ ዘይከኣል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:33፣ መዝ 90:2፣ ኤር 10:10፣ 1ጢሞ 1:17
  • +መዝ 121:4፣ ኢሳ 27:3
  • +መዝ 139:4, 6፣ 147:5፣ ኢሳ 55:9፣ ሮሜ 11:33፣ 1ቈረ 2:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2018፡ ገጽ 8

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2012፡ ገጽ 16-17

    15/6/1999፡ ገጽ 14

ኢሳይያስ 40:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብርታዐ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 29:11፣ ኢሳ 40:26፣ ፊል 4:13፣ እብ 11:33, 34

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2018፡ ገጽ 8-9

    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡

    5/2007፡ ገጽ 1

ኢሳይያስ 40:30

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2018፡ ገጽ 9

ኢሳይያስ 40:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 103:5
  • +1ነገ 18:46፣ መዝ 84:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2023፡ ገጽ 17

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2018፡ ገጽ 9

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    1/2017፡ ገጽ 6

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 6 2016፡ ገጽ 9

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/1996፡ ገጽ 8፡ 10

    1/12/1995፡ ገጽ 14-19

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 40:1ኢሳ 49:13፣ 51:3፣ 2ቈረ 1:3, 4
ኢሳ. 40:2መዝ 79:8, 9፣ ኤር 31:34፣ 33:8
ኢሳ. 40:2ኤር 16:18፣ ዳን 9:11, 12
ኢሳ. 40:3ኢሳ 35:8፣ 57:14፣ ሚል 3:1
ኢሳ. 40:3ኢሳ 11:16
ኢሳ. 40:3ማቴ 3:1, 3፣ ማር 1:2-4፣ ሉቃ 3:3-6፣ ዮሃ 1:23
ኢሳ. 40:4ኢሳ 42:16
ኢሳ. 40:5ኢሳ 24:15
ኢሳ. 40:5ኢሳ 49:6፣ 52:10
ኢሳ. 40:6እዮ 14:1, 2፣ መዝ 90:5, 6
ኢሳ. 40:7ያእ 1:11
ኢሳ. 40:7መዝ 103:15, 16
ኢሳ. 40:8ኢሳ 46:10፣ 1ጴጥ 1:24, 25
ኢሳ. 40:9ኢሳ 52:7
ኢሳ. 40:9ኢሳ 12:2፣ 25:9
ኢሳ. 40:10ኢሳ 53:1፣ ዮሃ 12:37, 38
ኢሳ. 40:10ኢሳ 62:11፣ ራእ 22:12
ኢሳ. 40:11ኢሳ 49:10፣ ህዝ 34:15, 16፣ 1ጴጥ 2:25
ኢሳ. 40:11ዘፍ 33:13፣ 1ጴጥ 5:2, 3
ኢሳ. 40:12ምሳ 30:4
ኢሳ. 40:12እዮ 38:4, 5
ኢሳ. 40:13እዮ 36:22, 23፣ ሮሜ 11:34፣ 1ቈረ 2:16
ኢሳ. 40:14መዝ 147:5
ኢሳ. 40:15መዝ 62:9
ኢሳ. 40:17ዳን 4:35
ኢሳ. 40:17ኢሳ 41:11, 12
ኢሳ. 40:18ዘጸ 8:10፣ መዝ 86:8፣ ኤር 10:6, 7
ኢሳ. 40:18ዘዳ 4:15, 16፣ ግብ 17:29
ኢሳ. 40:19መዝ 115:4-8
ኢሳ. 40:20ኢሳ 44:14, 15
ኢሳ. 40:20ኢሳ 41:7፣ 46:6, 7፣ ኤር 10:3, 4
ኢሳ. 40:21መዝ 19:1፣ ሮሜ 1:20
ኢሳ. 40:22ኢሳ 66:1
ኢሳ. 40:22ኢሳ 44:24፣ ኤር 10:12፣ ዘካ 12:1
ኢሳ. 40:241ነገ 21:20, 21፣ 2ነገ 10:10, 11፣ ኤር 22:24, 30
ኢሳ. 40:26መዝ 102:25
ኢሳ. 40:26መዝ 147:4
ኢሳ. 40:26መዝ 89:13
ኢሳ. 40:27ኢሳ 49:14፣ ህዝ 37:11
ኢሳ. 40:28ዘፍ 21:33፣ መዝ 90:2፣ ኤር 10:10፣ 1ጢሞ 1:17
ኢሳ. 40:28መዝ 121:4፣ ኢሳ 27:3
ኢሳ. 40:28መዝ 139:4, 6፣ 147:5፣ ኢሳ 55:9፣ ሮሜ 11:33፣ 1ቈረ 2:16
ኢሳ. 40:29መዝ 29:11፣ ኢሳ 40:26፣ ፊል 4:13፣ እብ 11:33, 34
ኢሳ. 40:31መዝ 103:5
ኢሳ. 40:311ነገ 18:46፣ መዝ 84:7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 40:1-31

ኢሳይያስ

40 “ኣጸናንዑ፡ ንህዝበይ ኣጸናንዕዎ” ይብል ኣምላኽኩም።+

 2 “ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፣*

ግዴታዊ ኣገልግሎታ ኸም እተፈጸመ፡

በደላ ኸም እተኸፍለ ኣውጁላ።+

ካብ ኢድ የሆዋ ንዅሉ ሓጢኣታ ምሉእ* ተቐቢላ እያ።”+

 3 ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦

“መገዲ የሆዋ ጽረጉ!*+

ኣብ ምድረ በዳ ንኣምላኽና ጐደና+ ኣቕንዑ።+

 4 ስንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፣

ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል።

ሓባጥ ጐባጥ ምድርስ ጐልጐል፡

ድንጉር ከኣ ጐልጐል ስንጭሮ ይኹን።+

 5 ኣፍ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡

ክብሪ የሆዋ ኺግለጽ፡+

ኵሉ ስጋ* ድማ ብሓባር ኪርእዮ እዩ።”+

 6 ስማዕ! ሓደ፡ “ጨድር!” ይብል ኣሎ፣

ካልእ ድማ፡ “እንታይ ኢለ ኽጭድር፧” ኢሉ ይሓትት ኣሎ።

“ኵሉ ስጋ፡* ሳዕሪ እዩ።

ኵሉ እቲ ብተኣማንነት ዜርእይዎ ፍቕሪ ኸም ዕምባባ መሮር እዩ።+

 7 ትንፋስ* የሆዋ ነፊስዎ እዩ እሞ፡

ሳዕሪ ይነቅጽ፡

ዕምባባ ይጽምሉ።+

ብርግጽ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ ጥራይ እዩ።+

 8 ሳዕሪ ይነቅጽ፡

ዕምባባ ይጽምሉ፣

ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።”+

 9 ኣቲ ንጽዮን እተበስሪ፡

ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ።+

ኣቲ ንየሩሳሌም እተበስሪ፡

ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ።

ዓው በሊ፡ ኣይትፍርሂ።

ንኸተማታት ይሁዳ፡ “እንሆ ኣምላኽኩም” ኢልኪ ኣውጂ።+

10 እንሆ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብሓይሊ ኺመጽእ፡

ቅልጽሙ ድማ ምእንታኡ ኺገዝእ እዩ።+

እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፣

እቲ ዚኸፍሎ ጻማ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እዩ።+

11 ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ ኺከናኸነን* እዩ።+

ንዕያውቲ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክበን፡

ኣብ ሕቝፉ ድማ ኪስከመን እዩ።

ነተን ዜጥብዋ ብህድኣት ኪመርሐን እዩ።+

12 ማያት ብኢዱ ዓሚኹ ዝሰፈረ፡+

ሰማያት ከኣ ብስድሪ ኢዱ* ዝለክዐ መን እዩ፧

ሓመድ ምድሪ ዝሰፈረ፡+

ኣኽራን ብመምዘኒ፡

ኵርባታት እውን ብሚዛን ዝመዘነ መን እዩ፧

13 መንፈስ የሆዋ ዝዓቀነ፡*

ኣማኻሪኡ ዀይኑ ድማ ዚምህሮ መን እዩ፧+

14 ኪርዳእሲ ምስ መን ተማኺሩ፧

መገዲ ፍትሒ ዝመሃሮ፡

ፍልጠት ዝመሃሮ፡

ጐደና ናይ ሓቂ ኣእምሮ እውን ዘፍለጦ መን እዩ፧+

15 እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኻብ መገለል፡

ከም ደሮና ኣብ ሚዛን እዮም ዚቝጸሩ።+

እንሆ፡ ንደሴታት ከም ደሮና የልዕለን።

16 ሊባኖስ እኳ ንምንዳድ ኣይኣክልን፣*

እንስሳ ዘገዳሙ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ኣይኣክልን።

17 ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘየልቦ ነገር እዮም፣+

ከም ባዶ፡ ከም ከንቱ ገይሩ እዩ ዚቘጽሮም።+

18 ንኣምላኽሲ ምስ መን ከተመሳስልዎ ኢኹም፧+

ምስ ኣየናይ ምስሊኸ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧+

19 ኢደ ጥበበኛ ብፍሲ ጣኦት* ይገብር፣

ኣንጠረኛ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፣+

ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ይሰርሕ።

20 ንመባኡ ኦም፡+

ዘይቍንቍን ኦም ይሓሪ።

ዘይክምበል ጽሩብ ምስሊ ኺሰርሓሉ፡

ክኢላ ኢደ ጥበበኛ ይደሊ።+

21 ኣይትፈልጡን ዲኹም፧

ኣይሰማዕኩምን ዲኹም፧

ካብ መጀመርታዶ ኣይተነግረኩምን፧

ካብ መሰረታት ምድሪዶኸ ኣይተረድኣኩምን፧+

22 ኣብ ልዕሊ ኸባብ* ምድሪ ዚቕመጥ ኣሎ፣+

ነበርታ ድማ ከም ጐደበ እዮም።

ንሱ ንሰማያት ከም ሻሽ ይዝርግሖ ኣሎ፣

ከም መንበሪ ዚኸውን ድንኳን ከኣ ይግትሮ።+

23 ንሰበ ስልጣን ባዶ ይገብሮም፣

ንፈራዶ* ድማ ከንቱ ይገብሮም።

24 ገና ኸይተተኽሉ፡

ገና ኸይተዘርኡ፡

ገና ጕንዶም ሱር ከይሰደደ፡

ኡፍ ይብሃሉ እሞ ይነቕጹ፡

ንፋስ ከኣ ከም ሓሰር ይወስዶም።+

25 “ማዕሪኡ ንምግባርሲ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም፧” ይብል እቲ ቕዱስ።

26 “ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ኣልዒልኩም ርኣዩ።

ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧+

እቲ ንሰራዊቶም ብቝጽሪ ዜውጽኦም እዩ፣

ንዅሎም በብስሞም ይጽውዖም።+

ካብ ዕቤት ብርታዐኡን ካብቲ ዜፍርህ ሓይሉን እተላዕለ፡+

ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን።

27 ኣታ ያእቆብ፡ ስለምንታይ ከምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልከ፡ ስለምንታይ ከምዚ ትዛረብ፧

‘መገደይ ካብ የሆዋ ሕብእቲ እያ፣

ካብ ኣምላኽ ድማ ፍትሒ ኣይረክብን እየ’ ትብል ኣለኻ።+

28 ኣይትፈልጥን ዲኻ፧ ኣይሰማዕካን ዲኻ፧

የሆዋ፡ እቲ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽ እዩ።+

ከቶ ዘይደክምን ዘይሕለልን እዩ።+

ኣእምሮኡ ዘይምርመር* እዩ።+

29 ንድኹም ሓይሊ፡

ጕልበት* ንዘይብሉ ኸኣ ምሉእ ብርታዐ ይህብ።+

30 መንእሰያት ይደኽሙን ይሕለሉን፣

ኣጕባዝ ድማ ይዕንቀፉን ይወድቁን፣

31 እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ሓይሎም ይሕደስ።

ከም ንስሪ ብኣኽናፍ ይድይቡ።+

ይጐይዩ እሞ ኣይሕለሉን፣

ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ