ውጽኢታዊ ኣቀራርባ ተጠቐም
1. ካብቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ እተፈላለየ ኣቀራርባ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
1 ቀዳሞት ክርስትያናት፡ እተፈላለየ ባህልን ሃይማኖትን ንዝነበሮም ሰባት እዮም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ ነይሮም። (ቈሎ. 1:23) ሓደ ዓይነት መልእኽቲ እኳ እንተ ነበሮም፡ ማለት ኵሎም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣቀራርባኦም ግና ከከም ሰማዕቶም ይፈላለ ነበረ። ንኣብነት፡ ጴጥሮስ ነቶም ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓሚቝ ኣኽብሮት ዝነበሮም ኣይሁድ ኪዛረቦም ከሎ፡ ካብ ትንቢት ዮኤል ብምጥቃስ ዘረባኡ ጀመረ። (ግብ. 2:14-17) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:22-31 ንግሪኻውያን ብኸመይ ከም ዘዘራረቦም ክንርኢ ንኽእል ኢና። ሎሚ ኣብ ገሊኡ ኽልታት ዘለዉ ሰባት ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣኽብሮት ስለ ዘለዎም፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና፡ ብናጽነት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጠቕስ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ነቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ብዛዕባ ሃይማኖት ተገዳስነት ዘይብሎም፡ ወይ ከኣ ነቶም ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝሃይማኖቶም ሰባት ከነዘራርቦም ከለና፡ ብዝያዳ ኣስተውዓልቲ ኽንከውን ኣሎና።
2. ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ዘለዎምን ዘይብሎምን ሰባት ምእንቲ ኽንሕግዞም፡ ነቲ ዚዕደል ጽሑፋት ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ነቲ ዚዕደል ጽሕፋት ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቐመሉ፦ ኣብዚ ኣገልግሎት ዓመት እዚ ዚዕደል ጽሑፋት፡ በብኽልተ ወርሒ ኺቀያየር እዩ፣ ኣብ መጽሔታትን ትራክትታትን ብሮሹራትን ዘተኰረ ድማ ኪኸውን እዩ። ኣብ ክልና ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት እውን ኣይሃልዎም፡ ተገዳስነቶም ኬለዓዕል ዚኽእል ጽሑፍ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕና ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብበሉ ወይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጠቕሰሉ ኣይንኽእልን ንኸውን፣ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ ግና፡ ኣብ ፈጣርን ኣብቲ መንፈሱ ዝነፈሶ ቓሉን እምነት ምእንቲ ኼሕድር፡ ተመሊስና ኽንበጽሖ ንኽእል ኢና። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት ኣብ ዚነብሩሉ ኸባቢ ንሰብኽ እንተ ኣሊና፡ ነዚ ዜንጸባርቕ ጽሑፍን ኣቀራርባን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣብታ ወርሒ ዚብርከት ጽሑፍ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍን ነተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ኸምኡውን ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራትን ክንዕድል ንኽእል ኢና። እቲ ቐንዲ ዜገድስ፡ ውጽኢታዊ ኣቀራርባ ምጥቃምና እዩ።
3. ልቢ እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ምስ ሓመድ ኪመሳሰል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
3 ነቲ መሬት ኣዳልዎ፦ ልቢ ሓደ ሰብ ምስ ምድሪ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 8:15) ገሊኡ ምድሪ፡ ዘርኢ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተዘርኦ ሱር ምእንቲ ኺሰድድን ኪዓብን፡ ኣቐዲምካ ኺዳሎ ኣለዎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ወንጌላውያን፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ሓመድ ብዓወት ተኺሎም እዮም፣ እዚ ኸኣ ዕግበትን ሓጐስን ኣምጺኡሎም እዩ። (ግብ. 13:48, 52) ንሕና እውን ንኣቀራርባና ኣቓልቦ እንተ ጌርናሉ፡ ዕግበትን ሓጐስን ክንረክብ ኢና።