ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr22 ሓምለ ገጽ 1-10
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 4-10 ሓምለ
  • 11-17 ሓምለ
  • 18-24 ሓምለ
  • 25-31 ሓምለ
  • 1-7 ነሓሰ
  • 8-14 ነሓሰ
  • 15-21 ነሓሰ
  • 22-28 ነሓሰ
  • 29 ነሓሰ–4 መስከረም
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2022
mwbr22 ሓምለ ገጽ 1-10

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

4-10 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 18-19

“ባርዚላይ—ኣብነት ትሕትና”

w07 15/7 14 ¶5

ባርዚላይ—ዓቕሙ ዚፈልጥ ሰብኣይ

ዳዊት ነቲ ባርዚላይ ዝገበረሉ ሓገዝ ኣዝዩ ኸም ዘማሰወሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ንጉስ ዜድሊ ስጋዊ ነገራት ብምምላእ ጥራይ ኣይኰነን ውሬታ ኺመልስ ደልዩ። እቲ ሃብታም ዝነበረ ባርዚላይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ዳዊት ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ዝነበሮ ዚነኣድ ባህርያት ስለ ዘድነቖ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቱ ኪቕመጥ ደልይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ባርዚላይ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኪቕመጥ እንተ ዚጅምር፡ ዓርኪ ንጉስ ብምዃን ፍሉይ ክብሪ ምረኸበ።

w07 15/7 14 ¶7

ባርዚላይ—ዓቕሙ ዚፈልጥ ሰብኣይ

ሓደ ኻብቲ ባርዚላይ ከምኡ ኢሉ ንኺውስን ዘኽኣሎ ምኽንያት፡ ሸምጊሉ ብምንባሩ ብሰንኪ እዚ ዓቕሙ ድሩት ስለ ዝዀነ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዊሕ ዚነብር ኰይኑ ኣይስምዖን ነይሩ ይኸውን። (መዝሙር 90:10) ንዳዊት ንምድጋፍ ዚከኣሎ እኳ እንተ ገበረ፡ እርጋን ዜምጽኦ ድሩትነት ግን ይፈልጥ ነበረ። ዝናን ተፈላጥነትን ነቲ ኽእለታቱ ብኽውንነታዊ መገዲ ንኸይግምግሞ ዕንቅፋት ኪኸውን ኣይፈቐደን። ባርዚላይ ከምቲ ህርፋን ስልጣን ዝነበሮ ኣቤሴሎም ዘይኰነስ፡ ብጥበብ ትሕትና ኣርኣየ።—ምሳሌ 11:2

w07 15/7 15 ¶1-2

ባርዚላይ—ዓቕሙ ዚፈልጥ ሰብኣይ

እቲ ብዛዕባ ባርዚላይ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ኣገዳስነት ሚዛንና ምሕላው ዜጕልሕ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ህዱእ ህይወት ስለ ዝደለና ወይ ሓላፍነት ክንስከም ዘይንኽእል ኰይኑ ስለ እተሰምዓና፡ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚ ምቕባል ክንኣቢ ወይ ንሓላፍነት ምምጥጣር ክንሓድጎ የብልናን። ብርታዐን ጥበብን ንምርካብ ኣብ ኣምላኽ ንውከል እንተ ዄንና፡ ነቲ ጕድለትና ኺምልኣልና ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 4:13፣ ያእቆብ 4:17፣ 1 ጴጥሮስ 4:11

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኣዝዩ ትሑዝ ይኸውን። ተወሳኺ ሓላፍነታት ብምቕባሉ ኸኣ፡ ከም ንስድራቤት ምሕላይ ዝኣመሰለ ኻልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታት ካብ ምፍጻም ኪተሓናዀል ከም ዚኽእል የስተውዕል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ኣብቲ እዋን እቲ ተወሳኺ ሓላፍነታት ምቕባል ምእባዩስ ትሕትናን ‘ርትዓውነትን’ ደይኰነን፧—ፊልጲ 4:5 NW፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8

መንፈሳዊ ሃብቲ

w20.04 30 ¶19

‘እቲ ጕያ ወድእ’

19 ዓቕምኻ ድሩት እንተ ዀይኑ እሞ ሰብ ዘይርድኣካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣብነት መፊቦሸት ኬበርትዓካ ይኽእል እዩ። (2 ሳሙ. 4:4) መፊቦሸት ለሚሱ እዩ ነይሩ፣ ንጉስ ዳዊት እውን ብጌጋ ፈሪድዎ እዩ። መፊቦሸት ነዚ ፈተናታት እዚ ባዕሉ ኣይኰነን ኣምጺእዎ። ኰይኑ ግና፡ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣይሓዘን፣ የግዳስ፡ ነቲ ኣብ ህይወቱ ዝረኸቦ ኣወንታዊ ነገራት የማስወሉ ነይሩ እዩ። ስለቲ ዳዊት ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝገበረሉ ጽቡቕ የመስግን ነይሩ እዩ። (2 ሳሙ. 9:6-10) ስለዚ፡ ዳዊት ብጌጋ ምስ ፈረዶ፡ ንሱ ንዅሉ እቲ ዅነታት እዩ ኣብ ግምት ኣእትዩ። በቲ ዳዊት ዝገበሮ ጌጋ ኣይተመረረን። ብሰንኪ እቲ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ድማ ንየሆዋ ኣይወቐሶን። የግዳስ፡ ነቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ ኣብ ምሕጋዝ እዩ ኣተኲሩ። (2 ሳሙ. 16:1-4፣ 19:24-30) የሆዋ ነቲ መፊቦሸት ዝሓደጎ ብሉጽ ኣብነት፡ ንጥቕምና ኢሉ ኣብ ቃሉ ኸም ዚምዝገብ ገይሩ ኣሎ—ሮሜ 15:4።

11-17 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 20-21

“የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ”

it-1 932 ¶1

ጊብዖን

ንጉስ ሳኦል ንጊብዖናውያን ንምጥፋእ ውዲት እኳ እንተ ኣለመ፡ ኣብ ኵሉ ዘመናት፡ መበቈሎም ጊብዖናውያን ዝዀኑ ሰባት ነይሮም እዮም። እዚ ኣጋጢምዎም ኬብቅዕ፡ የሆዋ ፍትሒ ኽሳዕ ዜውጽኣሎም ብትዕግስቲ ተጸብዮም እዮም። የሆዋ ድማ ብግዜ ንግስና ዳዊት፡ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ከም ዚኸውን ብምግባር እዩ ፍትሒ ኣውጺኡሎም። ዳዊት ንየሆዋ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ምስ ዕዳ ደም ዚተሓሓዝ ጕዳይ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ንጊብዖናውያን ጸዊዑ ምሳታቶም ዕርቂ ንምግባር እንታይ ኪግበር ከም ዜድሊ ሓተቶም። ጊብዖናውያን ከኣ እቲ ነገር “ናይ ብሩር ወይ ናይ ወርቂ” ኸም ዘይኰነ ብምግላጽ ብልክዕ መለሱሉ፣ ስለምንታይሲ፡ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ካብ ቀታል ነፍሲ ጋር ነፍሲ ምቕባል ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ። (ዘሁ 35:30, 31) ብዘይካዚ፡ ጊብዖናውያን ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ዝዀነ ሰብ ኪቐትሉ ኸም ዘይክእሉ ገለጹ። ስለዚ፡ ዳዊት ተወሳኺ ሕቶ ኽሳዕ ዚሓትቶም፡ ሸውዓተ “ደቂ” ሳኦል ኪውሃብዎም ኣይሓተቱን ነይሮም። ኣብ ልዕሊ ሳኦልን ኣብ ልዕሊ ቤቱን ዕዳ ደም ከም ዘሎ ተጠቒሱ ምህላዉ፡ ሳኦል ኣብቲ ቕትለት መሪሕ ግደ እኳ እንተ ነበሮ፡ “ደቁ” እውን ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ኣብኡ ኢድ ከም ዝነበሮም ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2ሳሙ 21:1-9) ስለዚ፡ ደቂ ብሰሪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ኣይኰኑን ዚቕተሉ ነይሮም (ዘዳ 24:16)፣ የግዳስ፡ ምስቲ “ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት” ዚብል ሕጊ ዚሰማማዕ ግቡእ መቕጻዕቲ እተዋህበሉ ፍትሓዊ ስጕምቲ እዩ ተወሲዱ።—ዘዳ 19:21።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w13 15/1 31 ¶14

ክርስትያን ሽማግለታት—‘ምእንቲ ኽንሕጐስ ሓቢሮምና ዚዓይዩ’

14 ህዝቢ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ካብ ሰይጣንን ካብ ተወከልቱን ዕንቅፋታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣገልግሎትና ንፍጽም ኢና። ገሌና ምስ ዓርሞሸሽ ኪመሳሰል ዚኽእል ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ስለ እንተኣማመን፡ ነቲ ኸም “ጎልያድ” ዝዀነ ብድሆታት ክንሰግሮ ኽኢልና ኢና። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ምስዛ ዓለም እዚኣ እንገብሮ ቐጻሊ ቓልሲ፡ ኬድክመናን ተስፋ ኬቝርጸናን ይኽእል እዩ። ብመንፈስ ኣብ እንደኽመሉ እዋን ድማ፡ ተነቀፍቲ ኽንከውንን በቲ ቕድሚኡ ብዓወት እንሰግሮ ዝነበርና ጸቕጥታት ክንወድቕን ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናት፡ ሓደ ሽማግለ ዚህበና ሓገዝ፡ ከምቲ ብዙሓት እተመከርዎ፡ ሓጐስናን ብርታዐናን ንኺምለስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ መፋርቕ 60ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሓንቲ ፈላሚት፡ “ቅድሚ እተወሰነ እዋናት፡ ጽቡቕ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ፣ ኣገልግሎት ከኣ የድክመኒ ነበረ። ሓደ ሽማግለ ኸም ቀደመይ ከም ዘይኰንኩ ስለ ዘስተብሃለ፡ ኣዘራረበኒ። ኣብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ዜተባብዕ ምይይጥ ድማ ገበርና። ነቲ ዝሃበኒ ርእይቶ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓልክዎ ኸኣ ጥቕሚ ረኸብኩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “እቲ ሽማግለ ንድኻመይ ኣስተብሂሉ ስለ ዝሓገዘኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ” በለት። ብፍቕሪ ዚከታተሉናን ልክዕ ከም ኣቢሻይ ‘ኪረድኡና’ ድሉዋት ዝዀኑን ሽማግለታት ምህላዎምሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ!

18-24 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 22

“ሓገዝ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ተወከል”

cl 19 ¶11

ንኣምላኽ ብሓቂዶ ኽትቀርቦ ትኽእል ኢኻ፧

11 ኣምላኽ ‘ብርታዐ ሓይሊ’ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከተንብብ ከሎኻ ገለ ፍልጠት ተጥሪ ኢኻ። (ኢሳይያስ 40:26) ንእስራኤላውያን ብቐይሕ ባሕሪ መሪሑ ብኸመይ ከም ዘድሓኖምን ኣብ በረኻ ን40 ዓመታት ዝኣክል ብኸመይ ከም ዘናበሮምን ምስ እተንብብ ግን ዝሰፍሐ ፍልጠት እዩ ዝህልወካ። እቲ ባሕሪ ኣብ ክልተ ክምቀል ከሎ ከምኡውን እቶም ብጠቕላላ 3,000,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ህዝቢ በቲ ንቑጽ ባሕሪ ክኸዱ ኸለዉ እቲ ማይ ድማ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ደው ኢሉ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። (ዘጸኣት 14:21፣ 15:8) ኣምላኽ ኣብቲ በረኻ የዕቝቦም ከም ዝነበረ ዝገልጽ መርትዖ እውን በእምሮኻ ክትስእሎ ትኽእል ኢኻ። ማይ ካብቲ ኸውሒ የውጽኣሎም፡ ጻዕዳ እኽሊ ዝመስል መግቢ እውን ኣብ መሬት ይዝርግሓሎም ነበረ። (ዘጸኣት 16:31፣ ዘሁልቍ 20:11) ኣብዚ የሆዋ ሓይሊ ከም ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ሓይሉ ምእንቲ ህዝቡ ኢሉ ከም ዝጥቀመሉ እውን ኣርእዩ እዩ። ጸሎትና ናብቲ “መዕቈብን ሓይልን፡ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን” ዝዀነ ሓያል ኣምላኽ ዝዓርግ ምዃኑ ምፍላጥና ዘተባብዕዶ ኸይኰነ!—መዝሙር 46:1

w10 1/6 26 ¶4-6

“እሙን ኢኻ”

ነተን ዳዊት እተዛረበን ቃላት ኣጸቢቕና ንመርምረን። እታ “እሙን ኢኻ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ንዚግበር ሕያውነት እውን ተመልክት እያ። እወ፡ ተኣማንነት ኣብ ፍቕሪ እያ እትምስረት። እምበኣር፡ የሆዋ ነቶም ንዕኡ እሙናት ዚዀኑ ሰባት ፍቕሩ ይገልጸሎም እዩ።

ተኣማንነት ኣብ ልብና ዚስምዓና ስምዒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብተግባር እውን ዚርአ ኸም ዝዀነ ኣስተውዕል። የሆዋ ኣብ ኵሉ ተግባሩ እሙን ምዃኑ፡ ዳዊት ካብቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ርእይዎ እዩ። እዚ እሙን ንጉስ እዚ፡ ኣብ ህይወቱ ጽንኩር እዋን ኬሕልፍ ከሎ፡ የሆዋ ብተኣማንነት ኣዕቊብዎን መሪሕዎን እዩ። እቲ መመስገኒ ዝነበረ ዳዊት፡ የሆዋ “ኻብ ኢድ ኵሎም ጸላእቱ” ኸም ዘናገፎ ገሊጹ እዩ።—2 ሳሙኤል 22:1።

ዳዊት እተዛረቦ ቓላት ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ የሆዋ ኣይልወጥን እዩ። (ያእቆብ 1:17) ወትሩ ስርዓታቱ ይሕሉ እዩ፡ ንመብጽዓኡ ኸኣ እሙን እዩ። ዳዊት ኣብ ካልእ መዝሙሩ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ነቶም እሙናት ሕዝቡ . . . ኣይኃድጎምን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 37:28 ትርጕም 1990።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w12 15/11 17 ¶7

መንፈስ ትሕትና ኣማዕብል

7 ትሕትና ኣምላኽ ነቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲራትሉ እያ። ዳዊት ንየሆዋ ኣምላኽ ኪዝምረሉ ኸሎ፡ “ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሀብካኒ፡ ምውራድካውን ኣዕበየኒ” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። (2 ሳሙ. 22:36) ኣብ እስራኤል ዕቤት ኪረክብ ዝኸኣለ፡ የሆዋ ትሕት ኢሉ ብምውራድ ንዕኡ ኣቓልቦ ስለ ዝገበረሉ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (መዝ. 113:5-7) የሆዋ ንዓና እውን ከምኡ እዩ ገይሩልና። ምስ ባህርያትን ክእለታትን ፍሉይ መሰላትን ብዚተሓሓዝ፡ ካብ የሆዋ ‘ዘይተቐበልናዮ’ እሞ እንታይ ኣሎ፧ (1 ቈረ. 4:7) ሓደ ርእሱ ‘ዜንእስ’ ሰብ “ዓብዪ” ዚኸውን፡ ክቡር ኣገልጋሊ የሆዋ ብምዃን እዩ። (ሉቃ. 9:48) ነዚ ነጥቢ እዚ ዜብርህ ሓሳብ ቀጺልና ኽንርኢ ኢና።

25-31 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 23-24

“መስዋእቲ ተቕርብ ዲኻ፧”

it-1 146

ኣራውና

ኣራውና ነቲ ቦታን ነቶም ከብትን ነቲ ዕንጨይትን ብዘይ ክፍሊት ንምሃብ እዩ ፍቓደኛ ዀይኑ ኪኸውን ዘለዎ፣ ዳዊት ግና ዋጋ ኪኸፍል ግዲ በለ። እቲ ኣብ 2 ሳሙኤል 24:24 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ዳዊት ነቲ ዓውድን ነቶም ከብትን ብ50 ሲቃል ብሩር (110 ዶላር ኣመሪካ) ከም ዝዓደጎም እዩ ዚገልጽ። እቲ ኣብ 1 ዜና መዋእል 21:25 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ግና፡ ዳዊት ነቲ ቦታ 600 ሲቃል ወርቂ (ከባቢ 77,000 ዶላር ኣመሪካ) ከም ዝኸፈለሉ እዩ ዚገልጽ። ጸሓፊ ኻልኣይ ሳሙኤል ኣብቲ እቲ መሰውኢ እተሰርሓሉ ቦታን እቲ ንመስዋእቲ ዜድሊ ነገራትን እዩ ኣተኲሩ፣ ስለዚ፡ እቲ ዝጠቐሶ ዋጋ ኣብቲ ነገራት እቲ እተሓጽረ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ጸሓፊ ቐዳማይ ዜና መዋእል ምስቲ እታ ቤተ መቕደስ ጸኒሓ እተሃንጸትሉ ቦታ ኣተሓሒዙ ይገልጽ ብምንባሩ፡ እቲ ዝጠቐሶ ዋጋ ምስቲ ህንጸት እዩ ኣተሓሒዝዎ። (1ዜና 22:1-6፣ 2ዜና 3:1) ብምሉኡ እቲ በታ ቤተ መቕደስ እተታሕዘ ቦታ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝነበረ፡ እቲ 600 ሲቃል ወርቂ ዚብል ዋጋ ነቲ ዳዊት ኣብ ፈለማ መሰውኢ ንምስራሕ እተጠቕመሉ ንእሽቶ ቦታ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሰፊሕ ቦታ ዜመልክት እዩ ዚመስል።

w12 15/1 18 ¶8

ካብ ‘ምስሊ ሓቂ’ ተምሃር

8 ሓደ እስራኤላዊ፡ ንየሆዋ ልባዊ ምስጋና ንምግላጽ ኢሉ ናይ ፍታው ወይ ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡ ወይ ከኣ ስምረት የሆዋ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ መስዋእቲ ምሕራር ምስ ዜቕርብ፡ እንታይ ዓይነት እንስሳ ኺመርጽ ከም ዘለዎ ኽሳዕ ክንድቲ ኣየጸግሞን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ተሓጒሱ እቲ ዝበለጸ ኬቕርበሉ ይኽእል ነበረ። ክርስትያናት ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዘሎ ዓይነት መስዋእቲ ዘየቕርቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካልእ ዓይነት መስዋእትታት ግና የቕርቡ እዮም፣ ማለት ግዜኦምን ጕልበቶምን ጥሪቶምን ንየሆዋ ንምግልጋል የውዕልዎ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ ብዛዕባ ተስፋና ዚገልጽ ብስራት ንምእዋጅ እነቕርቦ “ፍረ ኸናፍር፡” ከምኡውን “ሰናይ ምግባርን ምምቓልን” ንኣምላኽ ባህ ዜብል መስዋእቲ ኸም ዝዀነ ጠቒስዎ ኣሎ። (እብ. 13:15, 16) ህዝቢ የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ነገራት ዘለዎም ሞሳን ምስጋናን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ብምክፋል እዮም ዚገልጽዎ። ስለዚ፡ ከምቲ እቶም ናይ ፍታው ወይ ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ዜቕርቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ድራኼኦም ኪምርምሩ ዝነበሮም፡ ሎሚ እውን ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኸለዉ፡ ድራኼኦም ኪምርምሩ ኣለዎም።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w05 15/5 19 ¶6

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

23:15-17 ዳዊት ነቲ ንህይወትን ደምን ዚምልከት ሕጊ ኣምላኽ ዓሚቝ ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ ምጥሓስ ሕጊ ዚመስል ነገር እኳ ኻብ ምግባር ነፍሱ ገትአ። ንሕናውን ንዅሉ ሕግታት ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኣሎና።

1-7 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 1-2

“ካብ ጌጋኻ ትምሃር ዲኻ፧”

it-2 987 ¶4

ሰሎሞን

ኣዶንያን ምስኡ ሓቢሮም ውዲት ዝኣለሙ ሰባትን ካብታ ኣብ ጥቓኦም እትርከብ ጊሖን ደሃይ ሙዚቃን “ንጉስ ሰሎሞን ንዘለኣለም ይንበር!” ዚብል ጫውጫውታን ምስ ሰምዑ፡ ብፍርሂ ዚገብርዎ ጠፊእዎም ሃደሙ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰሎሞን ነቲ ናብ ዝፋን ዝደየበሉ እዋን ብምፍዳይ ሕነ ብዘይምብልሻው፡ ንግስናኡ ሰላማዊ ኸም ዚኸውን ኣርእዩ እዩ። እቲ ነገር ብግልባጡ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ሰሎሞን ህይወቱ ምሰኣነ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣዶንያ ናብ መቕደስ ሃዲሙ ተዓቝበ፣ ሰሎሞን ከኣ ልኢኹ ኣምጽኦ። ክፉእ እንተ ዘይተረኺቡሉ ብህይወት ከም ዚነብር ነጊሩ ድማ ናብ ቤቱ ሰደዶ።—1ነገ 1:41-53።

it-1 49

ኣዶንያ

ይኹን እምበር፡ ዳዊት ምስ ሞተ፡ ኣዶንያ ናብ ባትሴባ ኸይዱ ንሰሎሞን ክትልምነሉ ሓተታ። እቲ ልማኖኡ ኸኣ፡ እታ ንዳዊት እትኣልዮ ዝነበረት ኣቢሳግ እትብሃል ጓል፡ ሰበይቱ ኽትከውን ክትውሃቦ እዩ ነይሩ። ኣዶንያ፡ “ንግስና ናተይ ኪኸውን ኢሉ ኸም ዝነበረ፡ ኵሎም እስራኤል እውን ኣነ ኽነግሶም ይጽበዩ ኸም ዝነበሩ ንስኺ ኣጸቢቕኪ ትፈልጢ ኢኺ” ኢሉ ምዝራቡ፡ ኣብቲ ጕዳይ ኢድ ኣምላኽ ከም ዘሎ ብኣፉ ይእመን እኳ እንተ ነበረ፡ መሰሉ ኸም እተሓድገ ዀይኑ ይስምዖ ኸም ዝነበረ እዩ ዚሕብር። (1ነገ 2:13-21) ነቲ ልማኖ ዘቕረበሉ ምኽንያት፡ እታ መንግስቲ ኻብ ኢዱ ብምውጻኣ ኸም ካሕሳ ኪዀኖ ኢሉ ጥራይ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ገና ህርፋን ስልጣን ከም ዝነበሮ ግና ዚሕብር እዩ ነይሩ። ስለምንታይሲ፡ ብመሰረት ሕጊ ጥንቲ ዝነበሩ ሰብ ምብራቕ፡ ኣንስትን ኣንስቲ ወሰንን ንጉስ ናይቲ ሕጋዊ ወራሲ ጥራይ እየን ዚዀና ነይረን። (ምስ 2ሳሙ 3:7፣ 16:21 ኣረኣኢ።) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሰሎሞን ነዚ ብኣዲኡ ኣቢሉ ዝቐረበ ልማኖ ምስ ሰምዐ፡ ኣዶንያ ኪቕተል ኣዘዘ፣ በናያ ድማ ነዚ ትእዛዝ እዚ ብቕልጡፍ ፈጸሞ።—1ነገ 2:22-25።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w05 1/7 30 ¶1

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት

2:37, 41-46 ሓደ ሰብ ሕጊ ጥሒሱስ ከይተቐጽዐ ኺተርፍ ኢሉ ኺሓስብ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ዀን እዩ! እቶም ደይ መደይ ኢሎም ካብታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መገዲ’ ዜላግሱ፡ እቲ ሕማቕ ውሳነኦም ዜምጽኣሎም ሳዕቤን ኪዓጽዱ እዮም።—ማቴዎስ 7:14

8-14 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 3-4

“ዋጋ ጥበብ”

w11 15/12 8 ¶4-6

ሰናይ ኣብነት ድዩ ዚዀነካ ወይስ መለበሚ፧

4 ሰሎሞን ንግስናኡ ኺጅምር ከሎ፡ ኣምላኽ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ፡ ዝደለዮ ነገር ኪልምን ነገሮ። ሰሎሞን ድማ ብዙሕ ነገራት ኪመሃር ከም ዘለዎ ስለ እተገንዘበ፡ ጥበብ ኪወሃቦ ሓተተ። (1 ነገስት 3:5-9 ኣንብብ።) ኣምላኽ በዚ ስለ እተሓጐሰ፡ ንሰሎሞን “ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሃብትን ክብርን እውን ሃቦ። (1 ነገ. 3:10-14) ከምቲ የሱስ ዝጠቐሶ፡ ጥበብ ሰሎሞን ኣዝዩ ዜደንቕ ስለ ዝነበረ፡ ንግስቲ ሳባ ብዛዕባኡ ሰምዐት፣ ነቲ ጥበብ ብዓይና ንኽትርእዮ ኸኣ ነዊሕ መገዲ ተጓዕዘት።—1 ነገ. 10:1, 4-9።

5 ብተኣምራዊ መገዲ ጥበብ ክንረክብ ኣይንጽበን ኢና። ሰሎሞን፡ “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ” እኳ እንተ በለ፡ ነዚ ጥበብ እዚ ንኽንረኽቦ ኽንጽዕር ከም ዘሎና ኺገልጽ ከሎ እውን፡ “እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን” ኢሉ ነይሩ እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ ድማ፡ “እንተ ጸዋዕካያ፡” “እንተ ደሌኻያ፡” ከምኡውን “ሃለው እንተ በልካያ” ዚብል መግለጺ ተጠቒሙ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 2:1-6) ብንጹር እምበኣር፡ ጥበብ ከነጥሪ ንኽእል ኢና።

6 ንርእስና፡ ‘ኣምላኻዊ ጥበብ ብምጥራይ ዝመጸ ንኣብነት ሰሎሞን እስዕብዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ኽንሓትት ጽቡቕ እዩ። ቍጠባዊ ቕልውላው ንገሊኣቶም ኣብ ስራሖምን ኣብ ገንዘብን ከም ዜተኵሩ ገይርዎም እዩ፣ ነቲ ንትምህርቲ ብዚምልከት ዚገብርዎ ውሳነ እውን ጸልይዎ እዩ። እሞኸ ንስኻን ስድራ ቤትካን እትገብርዎ ምርጫ፡ ኣምላኻዊ ጥበብ ትደልዩ ኸም ዘለኹም ዚሕብር ድዩ፧ እቲ እተውጽእዎ ሸቶ፡ ዝያዳ ጥበብ ከም እተጥርዩ ድዩ ዚገብረኩም፧ ጥበብ እንተ ኣጥሪና፡ ነቲ ዘጥረናዮ ጥበብ ከኣ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ነባሪ ጥቕሚ ኽንረክብ ኢና። ሰሎሞን፡ “ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኸተስተውዕል ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈ።—ምሳ. 2:9።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w98 1/2 11 ¶15

የሆዋ፡ ኣምላኽ ቃል ኪዳናት ኢዩ

15 ዘርኢ ኣብርሃም ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ከም ሃገር ምስ ቈሙ፡ የሆዋ ብመሰረት ነቲ ርእሲ ኣቦታት ኣትይሉ ዝነበረ መብጽዓ ባረኾም። ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ መሪሑ ኣእተዎም። እቲ ድሕርዚ እተገብረ ነታ ምድሪ ኣብቶም ነገዳት ናይ ምምቓል መስርሕ ድማ፡ ፍጻሜ ናይቲ የሆዋ ነታ ምድሪ ንዘርኢ ኣብርሃም ክህቦም ምዃኑ ዝሃቦ መብጽዓ ነበረ። እስራኤላውያን እሙናት ኰይኖም ምስ ዝርከቡ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዓወት ክህቦም ምዃኑ ዝሃቦ መብጽዓ ይፍጽሞ ነበረ። እዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ግዝኣት ንጉስ ዳዊት ሓቅነቱ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ግዜ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት፡ ሳልሳይ መዳይ ናይቲ ምስ ኣብርሃም እተኣትወ ኪዳን ተፈጸመ። “ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ።”—1 ነገስት 4:20

15-21 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 5-6

“ካብ ልቦም ብትግሃት ሃነጹ”

w11 1/2 15

ትፈልጥዶ፧

ብፍላይ ጽሕድታት ሊባኖስ፡ ሓሸራታት ዘይበልዕዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ጽኑዕን ውቁብን ጽቡቕ መኣዛ ዘለዎን ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ተፈታዊ እዩ ነይሩ። እምበኣር፡ ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ፡ ብብሉጽ ኣቕሑ እዩ ሃኒጽዋ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብቲ ንኣኽራን ሊባኖስ ሸፊንዎ ዝነበረ ኣእዋም ቄድሮስ፡ ኣዝዩ ሒደት ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ።

it-1 424

ቄድሮስ

በዚ ኸምዚ፡ ዕንጨይቲ ቄድሮስ ብብዝሒ ንምጥቃም፡ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት የድልዩ ነይሮም እዮም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ኣእዋም ይቘርጹ፡ ካብ ጢሮስ ወይ ሲዶን ናብ ባሕሪ መዲተራነያን የጐዓዕዙ፡ ብሓንሳእ ጠሚሮም ከኣ ብባሕሪ ምናልባት ክሳብ ያፎ የብጽሕዎ ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣዕጫው ናብ የሩሳሌም ይወስድዎ ነበሩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሰሎሞንን ሒራምን ብእተገብረ ውዕል እዩ ዚዕየ ነይሩ። (1ነገ 5:6-18፣ 2ዜና 2:3-10) ድሕርዚ ግዜ እዚ እውን፡ ብቐጻሊ ዋሕዚ ዕንጨይቲ ብምንባሩ፡ ሰሎሞን ‘ንዕንጨይቲ ቄድሮስ ከም ኣእዋም ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ’ ኺብሃል ተኻኢሉ እዩ።—1ነገ 10:27፣ ምስ ኢሳ 9:9, 10 ኣረኣኢ።

it-2 1077 ¶1

ቤተ መቕደስ

ሰሎሞን ነቲ ዕዮ ኺውድብ ከሎ፡ ካብ እስራኤል 30,000 ሸቃሎ ኣከበ። በብእብረ ኸኣ በብወርሒ 10,000 ናብ ሊባኖስ ይሰድዶም ነበረ፣ ክልተ ወርሒ ድማ ኣብ ቤቶም ይጸንሑ ነበሩ። (1ነገ 5:13, 14) ብዘይካዚ፡ ካብታ ኣብታ ምድሪ ዚነበሩ “ጓኖት” 70,000 ጾር ዚጾሩ ተራ ሸቃሎ፡ 80,000 ድማ ወቐርቲ ኣእማን ገበረ። (1ነገ 5:15፣ 9:20, 21፣ 2ዜና 2:2) ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ዚዓዪ ህዝቢ ኸኣ 550 ኣዘዝቲ ገበረ፣ ንዓታቶም ድማ 3,300 ሓገዝቲ ዝነበርዎም እዩ ዚመስል። (1ነገ 5:16፣ 9:22, 23) ካብዚኣቶም ከኣ 250 እስራኤላውያን፡ 3,600 ድማ “ጓኖት” ዝነበሩ እዩ ዚመስል።—2ዜና 2:17, 18።

መንፈሳዊ ሃብቲ

g 5/12 17፡ ሳጹን

መጽሓፍ ቅዱስ—ልክዕ ትንቢት ዝሓዘ መጽሓፍ፡ 1ይ ክፋል

ብልክዕ ግዜ ይሕሉ

መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ግዜ ኸም ዚሕሉ ኻብ ዜርኢ ነገራት ሓደ ኣብ 1 ነገስት 6:1 ተመዝጊቡ ዘሎ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንህንጸት እታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ዝጀመረሉ ግዜ ተሓቢሩ ኣሎ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትንበብ፦ “እስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል 480 ዓመት [479 ምሉእ ዓመት]፡ ካብታ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰላ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ዚው (ንሳ እታ ኻልአይቲ ወርሒ)፡ ንሱ ምህናጽ ቤት የሆዋ ጀመረ።”

ብመሰረት መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ራብዐይቲ ዓመት ንግስና ሰሎሞን 1034 ቅ.ክ. እያ ነይራ። ካብታ ዓመት እቲኣ ጀሚርና፡ 479 ምሉእ ዓመት ናብ ድሕሪት እንተ ቘጺርና፡ ናብቲ እስራኤል ካብ ግብጺ ዝወጸሉ 1513 ቅ.ክ. ኢና እንበጽሕ።

22-28 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 7

“ካብቲ ኽልተ ኣዕኑድ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧”

w13 1/12 13 ¶3

‘ካብ ኣኽራን፡ ነሓሲ ኽትኵዕት ኢኻ’

ንጉስ ሰሎሞን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ንምምልካዕ፡ ብዙሕ ነሓሲ ተጠቕመ። መብዛሕትኡ እቲ ነሓሲ፡ ኣቦኡ ንጉስ ዳዊት ንሶርያውያን ስዒሩ ዘምጸኦ እዩ ነይሩ። (1 ዜና መዋእል 18:6-8) እቲ ኻህናት ንምሕጻብ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኻብ ነሓሲ እተሰርሐ “ፍሲ ባሕሪ፡” 66,000 ሊትሮ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ነበሮ፣ ክብደቱ ድማ 30 ቶን እዩ ነይሩ። (1 ነገስት 7:23-26, 44-46) ኣብ መእተዊ እቲ ቤተ መቕደስ እውን፡ ክልተ ብነሓሲ እተሰርሐ ዓበይቲ ዓንድታት ነይሩ እዩ። ቍመቱ 8 ሜተር እዩ ነይሩ፣ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፉ ድማ 2.2 ሜተር ዝንውሓቱ ጕልላት ነበሮ። ውሽጡ ጥርሑ ዀይኑ፡ 7.5 ሰንቲ ሜተር ዝምርጓዱን 1.7 ሜተር ዝዙርያኡን እዩ ነይሩ። (1 ነገስት 7:15, 16፣ 2 ዜና መዋእል 4:17) እቲ ነዚ ናውቲ ቤተ መቕደስ ጥራይ ንምስራሕ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ መጠን ነሓሲ፡ ኣዝዩ ዜደንጹ እዩ ነይሩ።

it-1 348

ቦኣዝ፡ 2

ካብቲ ኣብ ገበላ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዝቘመ ኽልተ ዓበይቲ ኣዕኑድ ነሓሲ፡ እቲ ብሰሜን ዝቘመ ዓንዲ ቦኣዝ ዚብል ስያመ ተዋሂብዎ ነበረ፣ ትርጉሙ ኸኣ “ብብርታዐ” ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ደቡባዊ ዓንዲ ድማ ያኪን ዚብል ስያመ ተዋሂብዎ ነበረ፣ ትርጉሙ ኸኣ “[የሆዋ] የጽንዕ” እዩ። ስለዚ፡ ናብ ምብራቕ ገጽካ ጌርካ ኻብ የማን ናብ ጸጋም ከተንብብ ከለኻ፡ ‘[የሆዋ] የጽንዕ [ነታ ቤተ መቕደስ] ብብርታዐ’ ዚብል ሓሳብ እዩ ዜመሓላልፍ።—1ነገ 7:15-21፣ ኣብ “ርእሲ ዓንዲ” ርአ።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 263

ምሕጻብ

እቶም ንየሆዋ ብቕድስናን ብንጽህናን ዜገልግልዎ ሰባት፡ ኣካላዊ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ትጽቢት ይግበረሎም ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ማሕደር ኰነ ጸኒሑ ኣብታ ቤተ መቕደስ ኣብ ዚቐርብ ዝነበረ ኣገልግሎት ተራእዩ እዩ። ኣሮን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደቁን ኪሽየሙ ኸለዉ፡ ኣልባሳቶም ቅድሚ ምልባሶም ተሓጺቦም እዮም። (ዘጸ 29:4-9፣ 40:12-15፣ ዘሌ 8:6, 7) ካህናት ኣብ ፈለማ ካብቲ ኣብ ኣጸድ እቲ ማሕደር ዝነበረ ገበራ ነሓሲ ብዚርከብ ማይ፡ ደሓር ከኣ ካብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዝነበረ ናይ ፍሲ ባሕሪ ብዚርከብ ማይ እዮም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ዚሕጸቡ ነይሮም። (ዘጸ 30:18-21፣ 40:30-32፣ 2ዜና 4:2-6) ብመዓልቲ ዕርቂ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክልተ ሳዕ እዩ ዚሕጸብ ነይሩ። (ዘሌ 16:4, 23, 24) እቶም ንዓዛዜል ወጠጦ ዚወስዱ፡ ዝተረፈ ኽፋል መስዋእቲ እንስሳ ናብ ወጻኢ ዚወስዱ፡ ከምኡ ድማ ሓምራ ላም ናብ ወጻኢ ሰፈር ዜውጽኡ ሰባት፡ ናብ ሰፈር ቅድሚ ምእታዎም ሰብነቶምን ክዳውንቶምን ኪሓጽቡ ነይርዎም።—ዘሌ 16:26-28፣ ዘሁ 19:2-10።

29 ነሓሰ–4 መስከረም

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 8

“ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብትሕትናን ካብ ልቡን ዘቕረቦ ጸሎት”

w09 15/11 9 ¶9-10

ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንጸሎትካ ኣመሓይሾ

9 ጸሎትካ ምእንቲ ኺስማዕ፡ ካብ ልቢ ኽትጽሊ ኣሎካ። ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ እቶም ብ1026 ቅ.ክ. ንጽምብል እታ ቤተ መቕደስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ኣብ 1 ነገስት ምዕራፍ 8 ተመዝጊቡ ዚርከብ ልባዊ ጸሎት ኣቕሪቡ እዩ። እቲ ታቦት ኪዳን ኣብታ ቕድስተ ቕዱሳን ምስ ተነብረን የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ ብደበና ምስ መልኣን፡ ሰሎሞን ንየሆዋ ወደሶ።

10 ነቲ ሰሎሞን ዘቕረቦ ጸሎት ብጥንቃቐ እንተ ኣጽኒዕካዮ፡ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ልቢ ኸም ዝጠቐሰ ኸተስተውዕል ኢኻ። ሰሎሞን፡ ልቢ ሰብ ዚፈልጥ የሆዋ በይኑ ምዃኑ ገለጸ። (1 ነገ. 8:38, 39) ኣብቲ ጸሎቱ ኸኣ፡ ‘ብዅሉ ልቡ ናብ ኣምላኽ ዚምለስ’ ሓጥእ፡ ተስፋ ኸም ዘለዎ ሓበረ። ጸላኢ ንህዝቢ ኣምላኽ እንተ ማሪኽዎም እሞ፡ ንሳቶም ድማ ልቦም ፈጺሙ ምስ የሆዋ እንተ ዀይኑ፡ ምሕጽንታኦም ይስምዓሎም እዩ። (1 ነገ. 8:48, 58, 61) ስለዚ እምበኣር፡ ጸሎትካ ኻብ ልቢ ኺምንጭው ኣለዎ።

w99 15/1 17 ¶7-8

ብትሑት ልቢ ጸሊ

7 ንህዝቢ ወኪልና ወይ ብብሕትና ንጸሊ ብዘየገድስ፡ ኣብ ጸሎትና ናይ ትሕትና ኣመለኻኽታ ከነንጸባርቕ ዝግብኣና ምዃኑ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ዘሎና ኣገዳሲ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 7:13, 14) ንጉስ ሰሎሞን ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ የሆዋ ክውፊ ኸሎ፡ ኣብቲ ንህዝቢ ወኪሉ ዘቕረቦ ጸሎት ትሕትና ኣርእዩ ኢዩ። ሰሎሞን ሓደ ካብቲ ኣብ ምድሪ እተሃንጸ ኣዝዩ ዘደንቕ ህንጻታት ሰሪሑ ምስ ወድአ ኢዩ ነቲ ጸሎት ዘቕረቦ። እንተዀነ ግን ብትሕትና “ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፧ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ ዘይትንእስ፧” ኢሉ ጸለየ።—1 ነገስት 8:27

8 ንኻልኦት ወኪልና ክንጽሊ ከሎና ከም ሰሎሞን ትሑታት ክንከውን ይግብኣና። ናይ ግብዝና ጽድቂ ከነወግድ ዝግብኣና እኳ እንተዀነ፡ ብናይ ድምጽና ቃና ትሕትና ከነርኢ ንኽእል ኢና። ትሕትና ዘለዎ ጸሎት ናይ ርኣዩለይ ወይ ኣምስሉ ኣይኰነን። ናብቲ ዝጽሊ ዘሎ ሰብ ዘይኰነስ ናብቲ ብጸሎት ዝቕረብ ዘሎ ኣምላኽ ቈላሕታ ከም እትገብር ኢዩ ዝገብር። (ማቴዎስ 6:5) ትሕትና በቲ ክንጽሊ ከሎና እንብሎ ነገራት እውን ይግለጽ ኢዩ። ብትሕትና ንጽሊ እንተድኣ ዄንና፡ ኣምላኽ ንገለ ነገራት ከምቲ ንሕና እንደልዮ ገይሩ ክፍጽመልና ከም እንደሊ ኣምሲልና ኣይነቕርቦን ኢና። ኣብ ክንድኡስ የሆዋ ምስቲ ቅዱስ ፍቓዱ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ገይሩ ተግባራቱ ክፍጽም ክንልምኖ ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ” ኢሉ ክልምን ከሎ ናይ ግቡእ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ኣብነት ኣቕሪቡ ኢዩ።—መዝሙር 118:25፣ ሉቃስ 18:9-14

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 1060 ¶4

ሰማይ

እቲ ሃናጺ እታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ዝዀነ ሰሎሞን፡ “ሰማያት፡ እወ ሰማየ ሰማያት” ንኣምላኽ ኪሕዝዎ ኸም ዘይክእሉ ገሊጹ ኣሎ። (1ነገ 8:27) የሆዋ ንሰማያት ዝፈጠረ ብምዃኑ፡ ካብ ኵሉ ኣጸቢቑ ይልዕል እዩ፣ “ስሙ በይኑ ዘይብጻሕ ልዑል እዩ፡ . . . ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ምድርን ሰማይን እዩ።” (መዝ 148:13) ከምቲ ሰብ ንነገራት ብስድሪ ኢዱ ኺልክዕ ዚኽእል፡ የሆዋ ድማ ንሰማያት ብቐሊሉ ኺልክዖ ይኽእል እዩ። (ኢሳ 40:12) ሰሎሞን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ምዝራቡ፡ ኣምላኽ ንጹር ዚነብረሉ ቦታ የብሉን ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ኵሉ ይርከብ ማለቱ እውን ኣይነበረን። ሰሎሞን ንየሆዋ፡ “ካብ ሰማያት፡ [ማለት፡ ካብቲ ናይ መንፈሳዊ ዓለም ዝዀነ ሰማያት] ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ስማዕ” ኢሉ ምዝራቡ፡ ነዚ ሓሳባት የነጽሮ እዩ።—1ነገ 8:30, 39።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ