ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwex ዓንቀጽ 6
  • ንእተቘጥዑ ኣቕሽሽቲ ልእመት ኣርእዮምዎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንእተቘጥዑ ኣቕሽሽቲ ልእመት ኣርእዮምዎም
  • ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብዛ ኣብ ዕግርግር ዘላ ዓለም ሰላም ረኺቦም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ምስክርነት ዓረብያ ዘምጽኦ ዓለምለኻዊ ጥቕምታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ላትቭያ ነቲ ብስራት ምላሽ ትህበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” ዚኸውን ዓረብያ ጽሑፋት
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
ዝያዳ ርአ
ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ijwex ዓንቀጽ 6
ሓደ እተቘጥዐ ቐሺ ኻብ ዓረብያ ምስክርነት ጽሑፋት ፋሕ ኬብል ከሎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ሃዲኦም ይርእይዎ

ንእተቘጥዑ ኣቕሽሽቲ ልእመት ኣርእዮምዎም

ኣርቱር ዝስሙ ኣብ ኣርመንያ ዚነብር ሓላው ወረዳ፡ ንሓንቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ይበጽሕ ነይሩ። ኣብ እዋን ምብጻሕ፡ እታ ጉባኤ ብዓረብያ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ከም ዘይትሳተፍ ፈሊጡ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሳተፉ ንምትብባዕ ከኣ፡ ኣርቱርን ሰበይቱ ኣናን ጂራይር ዝስሙ ኻልእ ሓውን ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ኣጋር ዚበዝሕዎ ቦታ መሪጾም፣ ዓረብያ ምስክርነት ጀመሩ።

ብኡብኡ ድማ ሓለፍቲ መገዲ ተገዳስነት ኬርእዩን ጽሑፋት ኪወስዱን ጀመሩ። ብዙሕ ከይጸንሐ እዚ ሓድሽ ሜላ ምስክርነት፡ ንኣቓልቦ ተቓወምቲ ኺስሕብ ጀሚሩ። ክልተ ኣቕሽሽቲ ናብቲ ዓረብያ መጺኦም፡ ሓደ ኻባታቶም ከኣ ሃንደበት ነታ ዓረብያ ብእግሩ ቐልዓ። ንኣርቱር ጸፍዒዎ፡ መነጸሩ ድማ ናብ ምድሪ ወዲቓ። ኣርቱርን ኣናን ጂራይርን ነቶም ኣቕሽሽቲ ኼህድእዎም እኳ እንተ ፈተኑ ኣይሰለጦምን። እቶም ኣቕሽሽቲ ነታ ዓረብያ ቐሊዖም ነቲ ጽሑፋት ፋሕ ኣበልዎ። ነቶም ኣሕዋት ድሕሪ ምጽራፍን ምፍርራህን ሓዲጎምዎም ከዱ።

ኣርቱርን ኣናን ጂራይርን ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ መደበር ፖሊስ ከይዶም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ሓበሩ። ቃሎም ድሕሪ ምሃቦም ከኣ፡ ንሓያሎ ኣባላት ፖሊስን ንኻልኦት ሰራሕተኛታትን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕጽር ኣቢሎም ነገርዎም። ጸኒሖም ድማ እቶም ሰለስተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓላፍነት ናብ ዘለዎ ፖሊስ ተወስዱ። ኣብ ፈለማ እቲ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዝርዝር ነገር ኪሰምዕ ጥራይ እዩ ደልዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጕልቡት ዝዀነ ኣርቱር ምስቲ ዝጸፍዖ ቐሺ ኸም ዘይተባእሰ ምስ ፈለጠ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምሕታት ደው ኣቢሉ፡ ብዛዕባ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሓትት ጀመረ። ንኣርባዕተ ሰዓት ድማ ተመያየጡ። እቲ ፖሊስ በቲ ዝሰምዖ ኣዝዩ ስለ እተመሰጠ፡ “ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ሃይማኖት እዩ፣ ከማኻትኩም እንተ ዝኸውን መን ምሃበ” በለ።

ኣርቱርን ኣናን ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ዳግም ይሳተፉ

ኣርቱርን ኣናን

ንጽብሒቱ፡ ኣርቱር ኣብ ብግህዶ ዚግብር ምስክርነት እናተሳተፈ ኸሎ፡ ነቲ ዘጋጠመ ነገር ርእዩ ዝነበረ ሰብኣይ ንኣርቱር ኣዘራረቦ። እቲ ሰብኣይ ንኣርቱር ርእሱ ስለ ዝገተአን ሕነ ስለ ዘይፈደየን ንኣዶ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ እቲ ዝርኣዮ ነገር ንኣቕሽሽቲ ዝነበሮ ኣኽብሮት ከም ዘጥፈኣሉ ነገሮ።

ሽዑ ምሸት፡ እቲ ሓላፊ ንኣርቱር ናብ መደበር ፖሊስ ኪመጽእ ጸውዖ። እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተወሳኺ ሕቶታት ሓተቶ። ኣብቲ ምይይጥ ከኣ ክልተ ኻልኦት ፖሊስ ተጸምበሩ።

ንጽብሒቱ፡ ኣርቱር ናብቲ ሓላፊ ተመሊሱ ኸይዱ፡ ንገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ ቪድዮታትና ኣርኣዮ። እቲ ሓላፊ ኸኣ ነቲ ቪድዮታት ምእንቲ ኺርእዩ ንኻልኦት ኣባላት ፖሊስ ጸውዖም።

ብምኽንያት እቶም ኣቕሽሽቲ ዘርኣይዎ ሕማቕ ባህርያት፡ ንብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ንፈለማ እዋን ተመስከረሎም። እቲ ዘጋጠመ ነገር ድማ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ጦብላሕታ ኣሕደረሎም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ