ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር እቶም ናይ ሓሶት ነብያት (1-16)

        • ብኖራ እተለቕለቐ መንደቕ ኪፈርስ እዩ (10-12)

      • ኣንጻር እተን ናይ ሓሶት ነብያት (17-23)

ህዝቅኤል 13:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ካብ ገዛእ ልቦም ዚንበዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 3:5፣ ጸፎ 3:4
  • +ኤር 14:14፣ 23:16

ህዝቅኤል 13:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1999፡ ገጽ 13-14

    1/5/1997፡ ገጽ 8-9

ህዝቅኤል 13:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 2:12፣ ዮኤ 1:15
  • +ህዝ 22:30

ህዝቅኤል 13:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 29:31, 32

ህዝቅኤል 13:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 22:28

ህዝቅኤል 13:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:14፣ 28:15, 16፣ 29:8, 9
  • +ህዝ 6:13፣ 11:10

ህዝቅኤል 13:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ድኹም ውሽጣዊ መንደቕ ወይ ገርዚ ምስ ተሃንጸ፡ ብኖራ ለቕሊቖም ድልዱል የምስልዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:13, 14
  • +ኢሳ 30:10፣ ህዝ 22:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1999፡ ገጽ 13-14

ህዝቅኤል 13:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንስኻ ድማ፡ ኣታ በረድ ክትዘንም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 27:8

ህዝቅኤል 13:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:19

ህዝቅኤል 13:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:12, 13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 8-9

ህዝቅኤል 13:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:13, 14፣ 28:1-4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 8-9

ህዝቅኤል 13:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

  • *

    ማለት፡ ኣብ ኵርናዕ ኢድን ጉምቦ ኢድን ዚእሰር ስሒራዊ መእሰሪ።

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኽንዶ።”

ህዝቅኤል 13:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሲ እቶም።”

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሲ እቶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:14
  • +ሚክ 3:11

ህዝቅኤል 13:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሳት።”

ህዝቅኤል 13:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 6:13

ህዝቅኤል 13:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቓንዛ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 27:14
  • +ኤር 23:14, 16, 17

ህዝቅኤል 13:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 18:10, 14፣ ኤር 27:9፣ ሚክ 3:6

ሓፈሻዊ

ህዝ. 13:2ሚክ 3:5፣ ጸፎ 3:4
ህዝ. 13:2ኤር 14:14፣ 23:16
ህዝ. 13:3ኤር 23:32
ህዝ. 13:5ኢሳ 2:12፣ ዮኤ 1:15
ህዝ. 13:5ህዝ 22:30
ህዝ. 13:6ኤር 29:31, 32
ህዝ. 13:8ህዝ 22:28
ህዝ. 13:9ኤር 14:14፣ 28:15, 16፣ 29:8, 9
ህዝ. 13:9ህዝ 6:13፣ 11:10
ህዝ. 13:10ኤር 6:13, 14
ህዝ. 13:10ኢሳ 30:10፣ ህዝ 22:28
ህዝ. 13:11ኢሳ 27:8
ህዝ. 13:12ኤር 37:19
ህዝ. 13:15ኢሳ 30:12, 13
ህዝ. 13:16ኤር 6:13, 14፣ 28:1-4
ህዝ. 13:19ኤር 23:14
ህዝ. 13:19ሚክ 3:11
ህዝ. 13:21ህዝ 6:13
ህዝ. 13:22ኤር 27:14
ህዝ. 13:22ኤር 23:14, 16, 17
ህዝ. 13:23ዘዳ 18:10, 14፣ ኤር 27:9፣ ሚክ 3:6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 13:1-23

ህዝቅኤል

13 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣንጻር እቶም ነብያት እስራኤል ተነበ፣+ ነቶም ናይ ርእሶም ትንቢታት ዚምህዙ*+ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ ‘ቃል የሆዋ ስምዑ። 3 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እቶም ገለ እኳ ኸይረኣዩስ ናይ ርእሶም መንፈስ ዚስዕቡ ዓያሹ ነብያት ወይለኦም!+ 4 ኣታ እስራኤል፡ ነብያትካ ኣብ መንጎ ዑናታት ከም ዘለዋ ወኻሩ ዀይኖም። 5 ብመዓልቲ የሆዋ፡ እስራኤል ኣብ ውግእ ምእንቲ ኪቐውምሲ፡+ ነቲ ኣብ መካበብያ ዘሎ ፍራስ ምእንቲ ቤት እስራኤል ኢልኩም ዳግም ንምህናጽ ናብኡ ኣይክትከዱን ኢኹም።”+ 6 “እቶም የሆዋ ኸይለኣኾምሲ፡ ‘ቃል የሆዋ’ ዚብሉ፡ ናይ ሓሶት ራእያት ርእዮም፡ ሓሶት እውን ተዛሪቦም እዮም፣ ቃሎም ኪፍጸም ከኣ ተጸብዮም እዮም።+ 7 ኣነ ገለ እኳ ኸይበልኩ፡ ‘ቃል የሆዋ’ ኽትብሉ ኸለኹምሲ፡ ናይ ሓሶት ራእይ ደይኰንኩምን እትርእዩ ዘለኹም፧ ሓሶት ደይኰነንከ እትዛረቡ ዘለኹም፧”’

8 “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘ሓሶት ስለ እተዛረብኩም፡ ራእያትኩም ድማ ሓሶት ስለ ዝዀነ፡ ኣነ ኣንጻርኩም እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”+ 9 ኢደይ ኣንጻር እቶም ራእያቶም ሓሶት ዝዀነን ሓሶት ዚዛረቡን ነብያት እያ።+ ንሳቶም ካብቶም መኻፍልቲ ምስጢረይ ኣይኪዀኑን፡ ኣብ መዝገብ ቤት እስራኤል ከኣ ኣይኪጽሓፉን፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ድማ ኣይኪምለሱን እዮም፣ ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንኩ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 10 ሰላም ዘየልቦስ፡ “ሰላም ኣሎ!” እናበሉ ንህዝበይ ስለ ዘስሓትዎ እዩ እዚ ዅሉ ዚኸውን።+ ድኹም መከፋፈሊ መንደቕ ምስ ተሃንጸ፡ ብኖራ ይልቕልቕዎ ኣለዉ።’*+

11 “ነቶም ብኖራ ዚልቕልቑ፡ ኪወድቕ ምዃኑ ንገሮም። ዜዕለቕልቕ ዝናም ኪመጽእ፡ በረድ ኪዘንም፡* ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ከኣ ኬፍርሶ እዩ።+ 12 እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ ድማ፡ ‘እቲ ዝለቕለቕኩምዎ ጸብሪ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧’ ተባሂልኩም ክትሕተቱ ኢኹም።+

13 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብነድረይ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ ብቝጥዓይ ዜዕለቕልቕ ዝናም፡ ብመጥፍኢ ነድረይ ከኣ በረድ ከምጽእ እየ። 14 ነቲ ብኖራ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶ፡ ናብ ምድሪ ድማ ከውድቖ እየ፣ መሰረቱ እውን ኪቕላዕ እዩ። እታ ኸተማ ኽትወድቕ ከላ፡ ኣብ ውሽጣ ኽትጠፍኡ ኢኹም፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’

15 “‘ኣብቲ መንደቕን ኣብቶም ብኖራ ዚልቕልቕዎን ነድረይ ምሉእ ብምሉእ ምስ ፈኖኽዎ፡ ከምዚ ኽብለኩም እየ፦ “እቲ መንደቕ የሎን፣ እቶም ዝለቕለቕዎ እውን የለዉን።+ 16 እቶም ንየሩሳሌም ዚንበዩላን ሰላም ከየሎስ ራእያት ሰላም ዚርእዩላን ነብያት እስራኤል የለዉን”’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።

17 “ንስኻ ኸኣ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብተን ናይ ርእሰን ትንቢታት ዚምህዛ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል እሞ ኣንጻረን ተነበ። 18 ከምዚ በለን፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እተን ህይወት* ሰባት ኪሃድናስ ንዅሉ ቐላጽም መእሰሪታት ዚሰፍያን* ንዅሉ ዓቐን ርእሲ መጐልበቢ ዚገብራን ወይለአን! ህይወት* ህዝበይ ሃዲንክንሲ፡ ህይወትክንዶ* ኸተድሕና ትፍትና ኣለኽን፧ 19 በቲ ነቶም ሓሶትክን ዚሰምዑ ህዝበይ እተስምዓኦም ሓሶት፡ ነቶም* ኪሞቱ ዘይብሎም እናቐተልክንን ነቶም* ብህይወት ኪነብሩ ዘይብሎም ብህይወት እናኣንበርክንን፡+ ብዕማዅ ስገምን ብርፍራፍ እንጌራን ኣብ መንጎ ህዝበይዶ ተርክሳኒ ኣለኽን፧”’+

20 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣነ ኣንጻር እቲ ንሰባት* ከም ኣዕዋፍ እትሃድናሉ ዝነበርክን መእሰሪታትክን እየ፣ ካብ ቀላጽምክን ድማ ክቐድዶ እየ፣ ነቶም ከም ኣዕዋፍ ዝሃደንክናኦም ከኣ ክፈትሖም እየ። 21 መጐልበቢታትክን ክቐድዶ፡ ንህዝበይ ድማ ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ፣ ደጊም እውን ሃዲንክን እትሕዛኦም ኣይኪዀኑን እዮም፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።+ 22 ንስኻትክንሲ ንልቢ ጻድቕ፡ ኣነ ጭንቂ* ኸየምጻእኩሉ፡ ብሓሶትክን ኣጃጂኽናኦ ኢኽን፣+ እኩይ ካብ ክፉእ መገዱ ኸይምለስ እሞ ብህይወት ከይነብር ድማ፡ ኣእዳዉ ኣበርቲዕክናኦ ኢኽን።+ 23 ስለዚ፡ ደጊም ናይ ሓሶት ራእያት ኣይክትርእያን፡ ኣይክትጥንቍላን እውን ኢኽን፣+ ንህዝበይ ድማ ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ