ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ናይ መጀመርታ ቐዳም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ብዙሓት ሰባት፡ ልደት የሱስ የብዕሉ እዮም፣ ይኹን እምበር፡ ንሞት የሱስ ምዝካርከ ኣገዳሲዶ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ናይ 1 መጋቢት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ እሞ፡ ነቲ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳብን ንሓደ ኻብቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስን ተመያየጡሉ። ነታ እትቕጽል ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ፡ ቈጸራ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋቢት
“እተፈላለየ እምነትን ልምድን ዘለወን ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናትን ሃይማኖታትን ኣለዋ። ኵሉ ክርስትያን እየ ዝበለ ክርስትያንዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ፡ ሓደ መመለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጠቒሱ ነይሩ እዩ። [ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ንኸነለልዮም ኪሕግዘና ዚኽእል ሓሙሽተ የሱስ እተዛረቦ ሓሳባት ትጠቅስ።”
Awake! March
“ምስ ጐረባብትና ብዛዕባ ሓደ ዜስግእ ባህርይ ንዘራረብ ኣለና። ሎሚ ዘለዉ ሰባት፡ ሓራቓትን ብቐሊሉ ዚቝጥዑን ይዀኑ ኣለዉ። ጠንቁ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕርቃን እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ። [መዝሙር 37:8, 9 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ሎሚ ሓርቖት ዚውስኽ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑን ንሓርቖትና ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ኸም እንኽእልን ትገልጽ።”