ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 መጋቢት ገጽ 2
  • ንኣጋይሽና ብሓጐስ ንቀበሎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣጋይሽና ብሓጐስ ንቀበሎም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓጐስ ተቐበሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ሓያል ምስክርነት ኪወሃብ እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ኣብቲ ዝኽሪ ከም ዘይጋየሹ ግበርዎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 መጋቢት ገጽ 2

ክርስትያናዊ ህይወት

ንኣጋይሽና ብሓጐስ ንቀበሎም

23 መጋቢት ኣስታት 12 ሚልዮን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዕዱማት ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ ንጽበ። መደረ ዜቕርብ ተዛራባይ ብዛዕባ እቲ ውህበት የሆዋ ዝዀነ በጃን ደቂ ሰብ ብእኡ ኣቢሎም ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚረኽብዎ እተወሰነ በረኸትን ኪገልጽ እዩ። (ኢሳ 11:6-9፣ 35:5, 6፣ 65:21-23፣ ዮሃ 3:16) ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ምስክርነት ዚህብ፡ እቲ ተዛራባይ ጥራይ ኣይኰነን። ኵላትና ንዕዱማትና ምዉቕ ኣቀባብላ ብምግባር ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:7) ገለ ኻብቲ ኸምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል መገድታት እንሆ፦

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ በጻሒ ሰላም ኢሉ ይቕበሎ፣ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ናብ በዓል ዝኽሪ ዝመጸ በጻሒ መጽሓፍ ቅዱሱ የርእዮ
  • እቲ መደብ ክሳዕ ዚጅመር ኮፍ ኢልና ጥራይ ኣብ ክንዲ እንጽበ፡ ነቶም ዚመጹ ዕዱማትን ዘይንጡፉትን ብፍሽኽታን ብምቕሉል ሰላምታን ንቀበሎም

  • ነቶም ዝዓደምናዮም እንፈልጦም ሰባት ፍሉይ ኣቓልቦ ንገብረሎም እኳ እንተ ዀንና፡ ነቶም ወረቐት ዕድመ በጺሕዎም ናብኡ ዝመጹ ዕዱማት እውን ኣቓልቦ ንግበረሎም። ዕዱማት ምሳና ኾፍ ኪብሉ ንዓድሞም። መጽሓፍ ቅዱስናን መጽሓፍ መዝሙርናን ነርእዮም

  • ድሕሪ እቲ መደረ፡ ሕቶታቶም ክንምልስ ከም እንኽእል ንሓብሮም። ነቲ መአከቢ ኻልእ ጉባኤ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ ጉባኤና ቐልጢፋ ኽትወጽእ ዚግብኣ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ክትበጽሖ ቘጸራ ግበር። ኣድራሻኡ እንተ ዘይብልና፡ “ብዛዕባ እዚ ኣኼባ ኸመይ ከም እተሰምዓካ ኽፈልጥ ምደለኹ። ብኸመይ ክረኽበካ እኽእል፧” ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ