ንናይ ዝኽሪ በዓል ዝኸውን መዘኻኸሪታት
እዚ ዝስዕብ ነገራት ቅድሚ እቲ ሰሉስ 2 ሚያዝያ ዝውዕል በዓል ዝኽሪ ኣቓልቦ ክግበረሉ ይግባእ:-
◼ እቲ ተዛራባይ እውን ሓዊስካ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ: እቲ ናይ በዓል ልክዕ ግዜን ቦታን ኣቀዲሙ ክንገር ኣለዎ።
◼ እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ክርከብን ክዳሎን ኣሎዎ።—ነቲ ናይ 15 ለካቲት 1985 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 19 ርአ።
◼ ምቹእ ጣውላ: ናይ ጣውላ ጨርቂ: ብያትታት: ብኬሪታት: ኣቐዲምካ ናብቲ ኣደራሽ ክውሰድን ኣብ ቦታኡ ክቕመጥን ኣለዎ።
◼ መንግስቲ ኣዳራሽ ወይ ካልእ ናይ ኣኼባ ቦታ ኣቐዲምካ ኣጸቢቑ ክጸሪ ኣለዎ።
◼ ተቐበልቲ ኣጋይሽን ነቲ ቕጫን ወይንን ዘዙሩን ኣቐዲምካ ክምረጹን ብዛዕባ እቲ ግቡእ ኣገባብን ዕዮታቶምን ከኣ መምርሒ ክወሃቦም ይግባእ።
◼ ነቶም ኣካላቶም ዝደኸመን ክመጹ ዘይክእሉን ክፍሊ ቅቡኣት ዘበሉ ኵሎም: ቅጫን ወይንን ሒዝካ ንምግልጋሎም መደብ ክግበር ኣለዎ።
◼ ኣብ ሓደ መንግስቲ ኣዳራሽ ካብ ሓደ ንላዕሊ በዓል ክግበር መደብ እንተድኣ ተገይሩ: ኣብ ኮሮድዮ: ኣብ ኣፍ ደገ: ኣብቲ ሰባት ዝሓልፉሉ መገዲ: ከምኡውን ኣብ ናይ መካይን ደው መበሊ ዘየድሊ ምጽባብ ምእንቲ ከይህሉ ኣብ መንጎ እተን ጉባኤታት ጽቡቕ ናይ ምውህሃድ መደብ ክህሉ ኣለዎ።