ምሉእ ምስክርነት ብምሃብ ሓጐስ ርኸብ
1 ኵላትና ንገለ ነገራት ጽቡቕ ገይርና ምስ እንሰርሖም ንሕጐስ ኢና። ማርቆስ 7:37 ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሱስ “ንዅሉ ጽቡቕ ገበሮ:” ኢሎም ከም ዝኣወጁ ትገልጽ። የሱስ ፍቓድ የሆዋ ብምግባሩ ሓጐስ ከም ዝረኸበ ኣየገርምን ኢዩ! (ምስ መዝሙር 40:8 ኣረኣእዮ።) ነዚ ስዒቡ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳባት ኣርዚንና ብምሕሳብ: ነቲ “ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን” እተነግረና ናይ የሱስ ትእዛዝ ምስ እንፍጽሞ ንሕናውን ብተመሳሳሊ ሓጐስ ክንረክብ ኢና። (ግብ. 10:42) ኣብ ወርሒ ጥሪ እታ ጉባኤ ኣብ መኽዘን ክህልዋ ዝኽእል ቅድሚ 1985 እተሓትመ ዝዀነ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሐፍ ወይ ድማ ብኣምሓርኛ እተዳለወ መጽሓፍ ንእስነትካ ከምኡውን/ወይ ናብራ ስድራቤት ክንዕድል ኢና። ንኣቀራርባታት ዝኸውን ገለ ሓፈሻዊ ሓሳባት እነሆ።
2 ሰባት ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ናይ ጥዕና ጕዳያት ስለ ዝግደሱ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ዓውዲ መድሃኒት ኣገደስቲ ፍጻመታት እኳ እንተ ተገብረ: ብምኽንያት ሕማም ዝመጸ ብዙሕ ስቓይ ኣሎ። ብዙሕ ሕማማት ክህሉ ዝኸኣለ ግን ስለምንታይ ኢዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ፌራ ምልክት ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዝኸውን የሱስ ክርስቶስ ተዛሪቡ ኢዩ። (ሉቃ. 21:11) ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ሕማም ዘይህልወሉ ግዜ ከም ዝመጽእውን ይገልጽ ኢዩ። [ኢሳይያስ 33:24 ኣንብብ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ትምህርቲ ብኸመይ ተስፋ ከም እተሕድረልካ ኣስተብህል።” ካብታ እትዕድላ ዘለኻ መጽሓፍ ዝሰማማዕ ሓሳባት ኣጕልሕ እሞ ንኽወስዳ ዓድሞ።
3 ኣብ ከባቢ ናይ ዕዳጋ ቦታታት ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክትህብ ከሎኻ: ሰላም ድሕሪ ምባል ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ :-
◼ “ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን ነገራት ኣዝዩ ካብ ምኽባሩ እተላዕለ ወጻኢታትካ ንምሽፋን ኣጸጋሚ ኰይኑዶ ረኺብካዮ ኣሎኻ፧ [መልሲ ተጸበ።] ጥዑይ ቍጠባዊ ውሕስነት ዘለዎ ግዜ ዝመጽእዶ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕርዚ ካብታ እትዕድላ ዘሎኻ መጽሓፍ ምስቲ ሓሳባት ዝሰማማዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥቕሲ ግለጸሉ። ከምዚ ብምባል ቀጽል:- “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣምላኽ በታ መንግስቱ ገይሩ ነዚ ሎሚ ንምንባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ገይሩዎ ዘሎ ግድላት ብኸመይ ከም ዝፈትሖ እትገልጽ ኢያ።” ነታ መጽሓፍ ዓድላ። ነቲ ምይይጥ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐስካሉ ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ: ድሕርዚ “ነዚ ምይይጥ እዚ ካልእ ግዜ ክንቅጽለሉ እንኽእል መገዲ ኣሎዶ፧” ብምባል ሕተቶ። በዚ መገዲ እዚ ገይርካ ናይቲ ሰብ እቲ ቍጽሪ ተሌፎን ወይ ድማ ናይ ገዝኡ ኣድራሻ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
4 ነቶም መንእሰያት ዝዀኑ ኣባላት ስድራቤቶም ጽቡቕ መምርሒ ክህቡ ዝደልዩ ዓበይቲ ሰባት (ወለዲ: ኣባሓጎታት: ሓወቦታት: ኣሞታት: ኣኮታት: ሓትኖታት) ይኹኑ ወይ ድማ (ኣብ ገዛ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድን ክትምለስን ከለኻ: ኣብ ከባቢ ዕዳጋታት: ወ.ዘ.ተ.) እትረኽቦም መንእሰያት ሰለስተ ብር ብምኽፋል ንመጽሓፍ ንእስነትካ ክትዕድል ትኽእል ኢኻ። ንዓቢ ሰብ ከምዚ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነቲ ኣብ ብዙሓት ወለዲ ዘሎ ጭንቀት ንምፍታሕ ዝጠቅም ገለ ነገራት ምእንቲ ኸርእየካ ንሒደት ደቓይቕ ምሳኻ ክዘራረብ ምፈተኹ። እዚ ድማ መንእሰያት ካብ ምዅብላል ንኽድሕኑ ብኸመይ ክሕገዙ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ኢዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ብብዙሕ ጸቕጥታት እተኸበቡ ውሉዳት (ወይ ደቂ ደቂ: ወይውን ወዲ ሓው: ወዲ ሓብቲ: ጓል ሓው ወይ ጓል ሓብቲ) ይህልዉኻ ይዀኑ። ምስኦም ክትዘራረብ ከለኻ ክትጥቀመሉ እትኽእል ጽቡቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ እነሆ። [መክ. 11:9 ከምኡውን 12:1 ኣርኢኻ ኣንብበሉ።] ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ብምግላጽ ንደቅኻ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።” [ኣብታ መጽሓፍ ገጽ 191 ገንጽል እሞ ነተን ኣብ ቍጽሪ 15 ዘለዋ ክልተ ቀዳሞት ምሉእ-ሓሳባት ኣንብበሉ። ድሕርዚ ነቲ ትሕዝቶ ኣርእዮ እሞ ነታ መጽሓፍ ዓድሎ።]
◼ ምስ መንእሰይ ንምዝርራብ ንኣቀራርባኻ ከምዚ ብምባል ከተሰማምዖ ትኽእል ኢኻ:-
“ሓደ ዓቢ ጥቕሚ ዘለዎ ነገር ንኸርእየካ ሒደት ደቓይቕ ምሳኻ ክዘራረብ እፈቱ። ብዙሓት መንእሰያት ናይ ሓቂ ዕርክነት ብኸመይ ከም ዝረኽቡ ይጭነቑ ኢዮም። ገለ ጽቡቕ ዝዀነ ምኽሪ እነሆ።” [1 ቈረ. 15:33 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይውን ካብታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 64 ኣንብብ። ድሕርዚ ካብ ምዕራፍ 8 ገለ ቐንዲ ነጥብታት ኣርእዮ እሞ ነታ መጽሓፍ ዓድሎ።]
◼ ነዚ መዛረቢ ነጥቢ እዚ እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:-
“መንእሰያት ብዛዕባቲ ካብ ህይወት ክረኽብዎ ዝደልዩ ነገራት እተፈላለየ ኣረኣእያታት ኢዩ ዘለዎም። ክንርስዖ ዘይብልና ሓደ ነጥቢ ግን እነሆ።” [መክ. 11:9 ከምኡውን 12:1 ገንጽል። ምስ ኣንበብካዮን ብዛዕብኡ ሓሳብ ምስ ሃብካን: ምዕራፍ 23 ናይታ መጽሓፍ ኣርእዮ እሞ ነታ መጽሓፍ ዓድሎ።]
5 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ናብራ ስድራቤት ምዕራፍ 2: ብፍላይ ድማ ቍጽርታት 13ን 15ን ከምኡውን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ንኡስ ኣርእስትታት ወሲኽና ንመንእሰያት ብምግላጽ ብሰለስተ ብር ክንዕድላ ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ምዕራፍ 12: ብፍላይ ከኣ ቍጽርታት 3ን 4ን ከተተኵር ትኽእል ኢኻ። ዓበይቲ ሰባት ምስ ዝዀኑ ድማ ንኽልቲአን መጻሕፍቲ ሽዱሽተ ብር ብምኽፋል ከነበርክተሎም ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ናብራ ስድራቤት ዘሎ ምዕራፍ 8 ምስቲ ኣብኡ ዘሎ ንኡስ ኣርእስቲ ወሲኽካ ከተጕልሖ ትደሊ ትኸውን። ነቲ ኣብ ገጽ 107 ቍጽሪ 20 ዘሎ ክልተ ቀዳሞት ምሉእ ሓሳባትውን ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ: ድሕርዚ ነቲ ትሕዝቶ ገንጺልካ ኣርእዮ እሞ ነታ መጽሓፍ ዓድሎ።
6 ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመሊስካ ክትበጽሖም ከለኻ: ነዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ብምጥቃም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ:-
“ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ክንዘራረብ ከለና: ኣዝዩ ኣገዳሲ ርእይቶ ተዛሪብካ ነይርካ። [እቲ ውልቀ-ሰብ ዝሃቦ ሓሳባት ጥቐስ።] ንዕኡ ሓሲበሉ ኢየ: ኣብቲ ኣርእስቲ እቲ ገለ ምርምር ብምግባር ዝረኸብክዎ ውጽኢታት ድማ ከካፍለካ ምፈተኹ። [ዝሰማማዕ ጥቕሲ ኣካፍሎ።] ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ምርምር ብምግባር ሚልዮናት ሰባት ንመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድእዎ ዘኽኣለ ናጻ ናይ መጽናዕቲ ትምህርቲ ክንመርሕ ንዕድም ኣለና። ከምዚ ዝኣመሰለ ምርምር ምግባር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋታት ብርግጽ ከም ዝፍጸም ንእምንቶኻ ከዕብየልካ ይኽእል ኢዩ።” ካልእ ግዜ እትምልሶም ገለ ሕቶታት ኣጕልሕ። እቲ ሰብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ንዝቐረበሉ ዕድመ እንተድኣ ነጺግዎ: ካብኡ ዝወሓደ ግዜ ዝወስድ ቀልጢፉ ዝውዳእ ፍሉይ ትምህርቲ ከም ዘለናውን ግለጽሉ። እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣርእዮ: ትምህርቲ 1 ገንጽል እሞ ነታ ቀዳመይቲ ትምህርቲ ከተርእዮ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ሕተቶ።
7 ናይ ዕድመ ወረቐት ክትጥቀም ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ:- ኣብ መእተዊኻ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ተገዳስነት ንምልዕዓል ውጽኢታዊ ኰይኑ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ: ወይ ድማ እቲ በዓል ቤት ጽሑፍ እንተድኣ ዘይወሲዱ ክትሓድገሉ ይከኣል ኢዩ። እቲ ሰብ ተገዳስነት እንተድኣ ኣርእዩ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽቕበልን ናብ ኣኼባታትና ንኽመጽእን ንምብርታዕ ነቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ተጻሒፉ ዘሎ መልእኽቲ ተጠቐም።
8 ኣብ ዕዮኻ ክኢላ ኹን: ከምኡ ብምግባርካ ድማ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ ብቐጻሊ ንቑሕ ኩን: ንዅሉ ናይ ኣገልግሎት መዳያት ጽቡቕ ገይርካ ብምፍጻም ከኣ ሓጐስ ርኸብ።—1 ጢሞ. 4:16