ስም የሆዋን ግብርታቱን ኣዘንትዉ
1 “ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ: ስሙ ጸውዑ: ግብርታቱ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣውርዩ። . . . ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ይተሐጐስ።” (መዝ. 105:1, 3) እቲ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዝጸሓፈ ጸሓፍ መዝሙር ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋን ‘ግብርታቱን’ ምንጋር ብዙሕ የሐጕሶ ነበረ። ብዛዕባ ኣየናይ ግብርታት ምንጋር ኢዩ ዘሐጕሶ ዝነበረ፧ ብዛዕባ እቲ ምስ ግርማዊ ንግስነት ኣምላኽን ‘ብስራት ምድሓኑን’ እተተሓሓዘ ነገራት ምዝራብ የሐጕሶ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ።—መዝ. 96:2, 3፣ 145:11, 12
2 ናብ ናይ 2001 በዓል ዝኽሪ ዝግበረሉ ወቕቲ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ክንሕጐሰሉ ዝግብኣና ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ብኸመይ ኢዩ እዚ ዝኸውን፧ ድራር ጐይታ ብዅሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ዝያዳ ኣኽብሮት ዝወሃባ መዓልቲ ምዃና ኣየጠራጥርን ኢዩ። እታ መዓልቲ ሒዛቶ ዘላ ኣገዳስነት: ትርጕም: ወይ ስርዓት ክንርኢ ኸሎና መዳርግቲ የብላን። የሆዋን የሱስን ንድሕነትና ዝገበሩልና ነገራት እንዝክረሉ እዋን ኢዩ። እምበኣር ኣብ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ነቲ ‘ብስራት ምድሓን’ ኣብ ምንጋር ተወሳኺ ንጥፈታት ምህላዉ ኣየገርመናን ኢዩ!
3 ሓጋዚ ፓይነር ክትከውንዶ ኢኻ፧ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝለዓለ ቍጽሪ ሓገዝቲ ፓይነራት ተመዝጊቡ ኢዩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ኣብ ኣገልግሎትና ፍሉይ ወሰኽ ክንገብር ንኽእልዶ ኢና፧ መጋቢት ሓሙሽተ ቐዳምን ክልተ ህዝባዊ በዓላትን ክህልዋ ኸሎ ሚያዝያ ኸኣ ሓሙሽተ ሰናብትን ሓንቲ በዓልን ኣለዋ። ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ምሉእ መዓልቲ ንምግልጋል መደብ ብምግባር ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ክኢሎም ኢዮም። ነቲ ካብ ሓጋዚ ፓይነር ዝሕተት 50 ሰዓታት ንምምላእ ብገምጋም ኣብ ሰሙን 12 ሰዓታት ከተገልግል የድልየካ። ነዚ ኣብዛ ገጽ ዘሎ መደባት ዝሓዘ ሳጹን ተጠንቂቕካ መርምሮ። ሓደ ካብቲ መደባት ምስ ኵነታትካ ዝሰማማዕዶ ኢዩ፧ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ንኸተገልግል ናይ ገዛእ ርእስኻ መደብ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ።
4 ሽማግለታት ዝያዳ ንጥፈታት ምእንቲ ኽህሉ ካብ ሕጂ ጀሚሮም ከተባብዑን ደገፎም ከበርክቱን ኣለዎም። ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሓንቲ ዅሎም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ሓገዝቲ ፓይነራት ዝዀኑላ ጉባኤ ካብ 121 ኣስፋሕቲ 64 ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ተጸሚዶም ነይሮም! ብተወሳኺውን: ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ሽዱሽተ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ስለ ዝሃቡ ኣባላት እታ ጉባኤ ተሓጒሶም ኢዮም። ቈልዑ ዀኑ ሓደስቲ ሰባት ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ንምክፋል ብቕዓት እንተለዎም ንሽማግለታት ንምሕታት እቲ ዝበለጸ ግዜ እዚ እዋን እዚ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።
5 ዝያዳ ጻዕሪ ምግባር በረኸት የምጽእ:- ፍሉይ ሸቶታትን ዝያዳ ጻዕርን ዝገብራ ጉባኤታት ብዙሕ በረኸት ይረኽባ ኢየን። ገሊኣተን ጉባኤታት ነቲ ሳሕቲ ዝዕየ ዞባታት ምሽፋን: ኣብ ካልእ መዳያት ምስክርነት ምትኳር: ወይ ኣብቲ ተግባራዊ ዝዀነሉ ዞባታት ነቶም ኣብ ኣባይቶም ዘይተረኽቡን ክእቶ ኣብ ዘይክእል ቦታታት ዝነብሩን ሰባት ናይ ቴለፎን ምስክርነት ምሃብ ብፍላይ ክዓያሉ ይኽእላ ኢየን።
6 ጥዕና ምስኣን ወይ እርጋን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ዝከኣሎ ንኸይገብር ተስፋ ከቝርጾዶ ይግባእ፧ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ከምዚ ዝስምዖ። ንኣብነት: ሓንቲ ሕማም መንሽሮ ዘለዋ ጓል 86 ዓመት ሓብቲ ኣእጋራ ሓቢጡ እኳ እንተ ነበረ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓጋዚት ፓይነር ኰይና ኣገልጊላ ኢያ። ንየሆዋ ብዝያዳ ብምውዳስ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ንምስታፍ ናይ ቴለፎን ምስክርነት ተጠቕመት። እዚ ንዓኣን ንጉባኤኣን ኣነቓቒሑ ኢዩ።
7 ንበዓል ዝኽሪ ብዝግባእ ተዳሎ:- ኣብዛ ዓመት እዚኣ በዓል ዝኽሪ 8 ሚያዝያ ክውዕል ኢዩ። እታ መዓልቲ ሰንበት ስለ እትውዕል ብዙሓት ተኣከብቲ ኽህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝበዝሐ ቍጽሪ ተኣከብቲ ምእንቲ ኽህልወና (1) ንሕና ባዕልና ኣብቲ ኣኼባ ብምህላውን (2) ካልኦት ንኽሓብሩና ብምዕዳምን እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና። ንመነመን ኢና ክንዕድም ዘሎና፧
8 እስከ ናይ ግራት ኣገልግሎት መዝገብካ ርአ። ነቶም ንሓቂ ቁሩብ ተገዳስነት ዘርኣዩ: ዋላ እውን ስርዓታዊ ዄንካ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣይትግበረሎም ክትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። እቲ በዓል ዝኽሪ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰሙናት ምስ ተረፎ ናይ በዓል ዝኽሪ ወረቐት ዕድመ ሒዝካ ንዅሎም ተገዳስነት ዘርኣዩ ብጽሓዮም። ዅነታትካ ዝፈቕደልካ እንተድኣ ዀይኑ ነቶም ክመጹ ዝደልዩ መጓዓዝያ ከተዳልወሎም ከም እትኽእል ንገሮም።
9 ገሊአን ጉባኤታት ከይተጠቕማሉ ዝተረፈ ናይ በዓል ዝኽሪ ወረቐት ዕድመ ኣሎ። ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ እቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ንዅሉ ኣስፋሒ ኣቐዲምካ ከም ዝዕደል ክገብሩ ኣለዎም። ኣብ እግሪ እቲ ናይ ዕድመ ወረቐት እቲ በዓል ዝኽሪ ዝግበረሉ ሰዓትን ቦታን ብናይ ጽሕፈት ማኪና ወይ ብኢድካ ጽቡቕ ገይርካ ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ። በዓል ዝኽሪ ኣብ ናይ ጉባኤኹም ኣደራሽ መንግስቲ ዝበዓል እንተድኣ ዀይኑ ድማ ኣበይ ምዃኑ ምስ ዝሕብር ወረቐት ገይርካ ክትህቦም ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ በዓል ዝኽሪ ወረቐት ዕድመ ባዕልኻ ኼድካ ነቲ በዓል ቤት ክወሃብ ከም ዘለዎ ክርሳዕ የብሉን።
10 ነቶም ዝዛሕተሉ ዘክርዎም:- ሓደ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ህይወቱ ንየሆዋ ከም ዝወፈየ ብማይ ጥምቀት ከርኢ ኸሎ ዘሐጕስ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ገሊኦም ምሳና ዝነበሩ ሰባት ይዝሕትሉ: ብዛዕባ ስም የሆዋን ግብርታቱን ካብ ምንጋር ድማ የቋርጹ ኢዮም። ብዛዕባ እዚኣቶም ንምሕላይ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። መብዛሕትኦም ዝዛሕተሉ ሰባት ንሓቂ እኳ እንተ ዘይገደፍዎ: ተስፋ ስለ ዝቘረጹ: እተፈላለየ ብሕታዊ ጸገማት ስለ ዘጋጠሞም: ወይ ብሰንኪ ሓልዮት ሓዳር ስብከት ኣቋሪጾም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ማቴ. 13:20-22) እዞም ብመንፈስ ዝደኸሙ ሰባት ናይ ሰይጣን ኣገባብ ከይወሓጦም ከሎ እንደገና ምስ ጉባኤኦም ንኽሓብሩ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። (1 ጴጥ. 5:8) ኣብዚ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ዅሎም ብቕዓት ዘለዎም ዝዛሕተሉ ሰባት እንደገና ነቲ ብስራት ምእንቲ ኽሰብኩ ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር ንደሊ ኢና።
11 ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ነቶም መራሕቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣብ ጐጕጅለኦም መነመን ዛሕቲሎም ከም ዘለዉ ከዘኻኽሮም ኣለዎ። ናይ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ንዅሎም ዝዛሕተሉ ሰባት ጕስነት ንምግባር መሪሕነት ክወስድ ኢዩ። እቲ ውልቀ-ሰብ ብሕታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ኣድላዪ ዀይኑ እንተድኣ ተረኺቡ: እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ምስቶም ኣባላት ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ድሕሪ ምምይያጥ ነቲ ጽንዓት መን ከም ዝመርሖ ክውስን ኣለዎ። ንነዊሕ እዋን ጽንዓት ክግበር ዘድሊ እኳ እንተ ዘይኰነ: እቲ ጽንዓት ዝመርሕ ግን ነቲ ሰዓታት: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ከምኡውን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ክህበሉ ኣለዎ።
12 ዝሓለፈ ሚያዝያ ሓንቲ ካብ ቤት ናብ ቤት እተገልግል ዝነበረት ሓብቲ ንሓደ ኣብ መገዲ ዝረኸበቶ ሰብኣይ መጽሔታት ኣርኣየቶ። ንሱ ድማ በዓልቲ ቤቱ ዝዛሕተለት ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና ነገራ። ኣደራሽ መንግስቲ ኣበይ ምዃኑን እታ ሓብቲ ንዕኡን ንሰበይቱን ተመሊሳ ክትበጽሖምን ሓተታ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቶም ሰብ ሓዳር ኣብቲ ዝቕጽል ኣኼባ ተኻፈሉ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሎም ድማ ተሰማምዑ።
13 ዝያዳ ንጡፍ ንምዃን ተዳሎ! እቲ ስም የሆዋን ግብርታቱን ከነዘንቱ ከም ዝግባእ ዝገለጸ ጸሓፍ መዝሙር ወሲኹ ኸምዚ በለ:- “ዘምሩሉ: ኣመስግንዎ: ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ። ብቅዱስ ስሙ ኽበሩ።” (መዝ. 105:2, 3) ኣብ ኣገልግሎትና ወሰኽ ምስ እንገብር እዚ በዓል ዝኽሪ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝለዓለ ንጥፈታት ክህልዎ ኢዩ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዓቢ ስም የሆዋን “ተኣምራቱ”ን ከም እንሕለቕ ነርኢ!
[Caption on page 3]
ኣብ ሰሙን 12 ሰዓታት ብምግልጋል ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ዘኽእለካ እተፈላለየ መደባት
[Caption on page 3]
መዓልቲሰዓታት
ሰኑይ12--
ሰሉስ1-3-
ረቡዕ12-5
ሓሙስ1-3-
ዓርቢ12--
ቀዳም5435
ሰንበት2232
ድምር:-12121212
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ካብዚ መደባት እዚ ምስ ኵነታትካ ዝሰማማዕ ድዩ፧
እንተ ዘይኰይኑ ዝሰማምዓካ መደብ ባዕልኻ ስለምንታይ ዘይተውጽእ፧