መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳር 2001
ሓደ ዘሕዝን ዜና ድሕሪ ምጥቃስ ከምዚ ኢልካ ሕተት:- “ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ እከይ ዝፍጽሙ ስለምንታይ ኢዮም፧ ኵላትና ጽቡቕን ሕማቕን ክንፈሊ እንኽእል ክነስና ገና ግን ሰባት እከይ ይፍጽሙ ኢዮም። ስለምንታይ፧ [መልሲ ምስ ሃበካ: ራእይ 12:9 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንሕልናና ብምሕላው ብኸመይ ገዛእ ርእስና ኻብ ክፉእ ክንከላኸል ከም እንኽእል እትገልጽ ኢያ።”
ንቕሑ! ጥቅምቲ-ታሕሳስ 2001
“ኣብዚ ቐረባ እዋን ብሰንኪ ግብረ-ሽበራ ብሓንሳእ ኣሽሓት ሰባት ብሙማቶም ዓለም ተናዊጻ ኢያ። ብዙሓት ሰባት እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን ብምባል ይሓቱ ኢዮም። ሓደ ኻብቲ ነዚ ጠንቂ ዝዀኖ ነገራት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:15 ተጠቒሱ ዘሎ ምዃኑ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። [ኣንብብ።] ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ጠንቅታት ናይቲ ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ነገራት ጽልኢዶ ኸይኰነ፧ ጽልኢ ኻብ ዓለም እንተ ዝውገድ ነይሩኸ መብዛሕትኡ ሽግራትናዶ ኣይምተፈትሐን፧ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ሱር ጽልኢ እንታይ ምዃኑ ትገልጽ: ከነወግደሉ እንኽእል ጠቓሚ መገዲ ድማ ትሕብር ኢያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሕዳር 2001
“‘የሱስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ’ ዝብል ዘረባ ሓድሽ ኣይኰነን። [ዮሃንስ 3:16 ጥቐስ።] ሞት ናይ ሓደ ሰብኣይ ንዅላትና ብኸመይ ከድሕነና ኸም ዝኽእል ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ቀሊል መልሲ ኢዩ ዝህበና። እዛ ‘የሱስ መድሓኒ ኢዩ—ብኸመይ፧’ ዘርእስታ ሕታም ነዚ ኢያ እትገልጽ።”