ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ኣብ ሕዳር ክትዕደል እያ
1. ሰባት ብዛዕባ ምዉታት እንታይ ሕቶታት እዩ ዘለዎም፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ሕዳር ዚምለስከ ብኸመይ እዩ፧
1 ሰባት ዚኣምኑሉ ነገራት ብዘየገድስ፡ ሞት ጸላኢ ዅሉ ሰብ እዩ። (1 ቈረ. 15:26) ብዙሓት ሰባት፡ ምዉታት ኣበይ ከም ዘለዉን እንደገና ኺርእይዎም እንተ ዀይኖምን ይሓስቡ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት፡ ንሓደ ወርሒ ምሉእ፡ ነታ ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧ ዘርእስታ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ኪዕድላ እየን። እዚ ፍሉይ ወፈራ እዚ፡ 1 ሕዳር ኪጅምር እዩ። ድሕሪኡ ድማ፡ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ከም ትራክት ኰይና ኽትብርከት እያ።
2. ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ብኸመይ እያ ተዳልያ፧
2 ብኸመይ ከም እተዳለወት፦ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 እትዕጸፍ ትራክት ኰይና፡ ኣብ ገበራ ኣቓልቦ ዚስሕብ ኣርእስትን እተን “እንታይ ምበልካ፧ . . . እወ፡ ኣይፋል፡ ምናልባት” ዚብላ ሕቶታትን ዝሓዘት እያ። እቲ ኣንባቢ ነታ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ገንጸላ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣርእስቲ እታ ትራክት ዚህቦ መልስን እዚ ንዕኡ ብኸመይ ኪጠቕሞ ኸም ዚኽእልን ዚገልጽ ሓሳብ እዩ ዚረክብ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኺኣምኖ ዚኽእለሉ ምኽንያታት እውን ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እታ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ኣንባቢ ኺሓስበላ ዘለዎ ተገዳስነት እተለዓዕል ሕቶን ብዝያዳ ንኺፈልጥ ዜተባብዕ ዕድመን ኣሎ።
3. ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ብኸመይ እያ ኽትዕደል፧
3 እትዕደለሉ መገዲ፦ እዚ ወፈራ እዚ ምስቲ ኣብ እዋን በዓል ዝኽርን ኣኼባ ኣውራጃን እንገብሮ ወፈራ ተመሳሳሊ እዩ። ሽማግለታት፡ ምስታ ብ1 ሚያዝያ 2013 እተላእከት ደብዳበ ብዚሰማማዕ መገዲ፡ ክሊ ጉባኤኹም ብኸመይ ከም ዚሽፈን መምርሒ ኺህቡ እዮም። ሒደት ክሊ ዘለወን ጉባኤታት፡ ነተን ኣብ ጥቓአን ዘለዋ ብዙሕ ክሊ ዘለወን ጉባኤታት ኪሕግዛአን ይኽእላ እየን። ቅዳሓት ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ክትወስድ ከለኻ፡ ነቲ ኣብ ሓንቲ ሰሙን ዜድልየካ ጥራይ ውሰድ። ኣብ እዋን እቲ ወፈራ፡ ኵሉ ኽልታት ተሸፊኑ ምስ ተዛዘመ፡ እቲ ቕዳሓት ኣብ መገዲ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ኪብርከት ይከኣል እዩ። ኵሉ እቲ ቕዳሓት ዜና መንግስቲ ኣምላኽ፡ ወርሒ ሕዳር ከይተወድአት ከላ ተዓዲሉ እንተ ተወዲኡ፡ ኣብታ ወርሒ ዚዕደል ሕታም ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብታ ወርሒ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ፍሉይ ወፈራ ኸነተኵር ኢና። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ መጽሔታት እውን ክንዕድል ኣሎና። ኣብቲ ፍሉይ ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትካፈል፡ ትዳሎዶ ኣለኻ፧