ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓምለ
“ንዘይርጉእ ኵነታት ህይወት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ የሱስ ብዛዕባ ጭንቀት ዝሃቦ ሓሳባትሲ ግብራዊ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [ማቴዎስ 6:25 ኣንቢብካ፡ መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ነቲ ምስ ጕዳይ ገንዘብን ጸገማት ስድራ ቤትን ሓደጋታትን ተተሓሒዙ ዚመጽእ ጭንቀት ብኸመይ ከነፍኵሶ ኸም እንኽእል ትገልጽ።”
ንቕሑ! ሓምለ
“ሎሚ ሓያሎ ሰባት በቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ኵነታት ዓቕሎም ይጸብቦም እዩ። ምስዚ ሓሳብ እዝስ ኣይትሰማማዕንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ኣመለኻኽታና ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ይሕብር እዩ። [ምሳሌ 24:10 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣሸጋሪ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ዚሕብር ግብራዊ ርእይቶታት ትህብ፣ ብዘይካዚ፡ ኣሸጋሪ ዅነታት ምስ ኣጋጠሞም ብኸመይ ከም እተዋጽኡሉ ዚሕብር ናይ ሓቂ ኣብነታት ገሊኦም ሰባት ትገልጽ እያ።”