ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ንዀለፍቲ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሎም
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ባህርያዊ ሓደጋ ኸም ዜጋጥም ፈሊጥካ ኣሎኻ ንበል። ሰባት ናብ ካልእ ቦታ እንተ ዘይሃዲሞም ከም ዚሞቱ ስለ እትፈልጥ፡ ናብ ጐረቤትካ ኼድካ ተጠንቅቖ እሞ፡ ንሱ ግና “ግዜ የብለይን” ብምባል ዘረባኻ ይዀልፈካ። ሽዑ፡ ‘በል ደሓን ኩን’ ኢልካዮ ኸም ዘይትኸይድ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ክልና ዘለዉ ሓያሎ ሰባት፡ መልእኽትና ህይወት ዜድሕን ምዃኑ ስለ ዘይግንዘቡ፡ ኪሰምዑና ኣይደልዩን እዮም። ክንበጽሖም ክንከይድ ከለና፡ ምናልባት ብኻልእ ጕዳያት ተታሒዞም ኪጸንሑና ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 24:37-39) ወይ ከኣ በላበላው ሰሚዖም ይጸልኡና ይዀኑ። (ማቴ. 11:18, 19) ካብተን ሕማቕ ፍረ ዚፈርያ ሃይማኖታት እተፈለና ዀይኑ ኣይስምዖምን ይኸውን። (2 ጴጥ. 2:1, 2) እቲ ብዓል ቤት ኣብ ፈለማ ብዙሕ ተገዳስነት እንተ ዘየርእዩ፡ ቀልጢፍና ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ኰላፊ ዘረባ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ካብቲ ሰብ ምስ ተፈለኻ፡ እንታይ ኢልካ እንተ ትምልስ ዝሓሸ ኪኸውን ከም ዚኽእል ምስ መገላግልትኻ ተመያየጠሉ።