መዝሙር ምድያብ።
132 ኦ የሆዋ፡ ንዳዊትን
ንዅሉ መከራኡን ዘክር፣+
 2 እወ፡ ከመይ ንየሆዋ ኸም ዝመሓለ፡
ነቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ከመይ ከም እተመባጽዐ ዘክር፦+
 3 “ናብ ድንኳነይ፡ ናብ ቤተይ ኣይኣቱን እየ።+
ኣብ ዓራተይ፡ ኣብ መደቀስየይ በጥ ኣይብልን እየ።
 4 ንኣዒንተይ ድቃስ፡
ንኸበሮ ዓይነይ ሰለምታ ኣይህብን እየ።
 5 ንየሆዋ ቦታ፡
ነቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ድማ ብሉጽ መንበሪ ኽሳዕ ዝረኽበሉ፡ እዚ ኣይገብርን እየ።”+
 6 እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰሚዕና፣+
ኣብ መሮር ዱር ረኺብናያ።+
 7 ናብ መንበሪኡ ንእቶ፣+
ኣብ ድኳ እግሩ ንስገድ።+
 8 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ምስቲ ታቦት ብርታዐኻ
ናብ መዕረፊኻ ኽትመጽእሲ ተንስእ።+
 9 ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱ፣
እሙናትካ ድማ እልል ይበሉ።
10 ምእንቲ ጊልያኻ ዳዊት፡
ንቕቡእካ ኣይትእበዮ።+
11 የሆዋ ንዳዊት ምሒሉሉ እዩ፣
ብርግጽ ድማ ቃሉ ኣይኪዓጽፍን እዩ።
እወ፡ “ሓደ ኻብ ዘርእኻ፡
ኣብ ዝፋንካ ኸንብር እየ።+
12 ደቅኻ ኺዳነይን
እቲ ዝምህሮም መዘኻኸሪታተይን እንተ ሓልዮም፡+
ደቆም እውን
ኣብ ዝፋነይ ንዘለኣለም ኪቕመጡ እዮም” ኢልዎ እዩ።+
13 የሆዋስ ንጽዮን ሓርይዋ እዩ፣+
መንበሪቱ ኽትከውን ብሂግዋ እዩ፦+
14 “እዚኣ ንዘለኣለም መዕረፊተይ እያ፣
ባህገይ እዚ እዩ እሞ፡ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።+
15 ብሽሻይ ኣብዚሐ ኽባርኻ እየ፣
ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ።+
16 ንኻህናታ ድሕነት ከልብሶም እየ፣+
እሙናታ ኸኣ እልል ኪብሉ እዮም።+
17 ኣብኣ ብርታዐ ዳዊት ከዕቢ እየ።
ንቕቡአይ መብራህቲ ኣዳልየሉ ኣለኹ።+
18 ንጸላእቱ ሕፍረት ከልብሶም እየ፣
ኣብ ርእሱ ዘሎ ዘውዲ ግና ኪምዕብል እዩ።”+