ኢሳይያስ ትሕዝቶ 1 ኣቦን ዓለውቲ ደቁን (1-9) የሆዋ ልባዊ ዘይኰነ ኣምልኾ ይጸልእ (10-17) “ነገር ነቕንዕ” (18-20) ጽዮን ተመሊሳ እምንቲ ኸተማ ዀነት (21-31) 2 ከረን የሆዋ ልዕል በለ (1-5) ኣስያፍ ናብ ማሕረሻታት (4) መዓልቲ የሆዋ ንዕቡያት ተዋርዶም (6-22) 3 መራሕቲ ይሁዳ ነቲ ህዝቢ ኣስሓትዎ (1-15) እተን ተዃሸምቲ ኣዋልድ ጽዮን ተፈርዳ (16-26) 4 ሸውዓተ ኣንስቲ ንሓደ ሰብኣይ (1) እቲ የሆዋ ዜጠጥዖ ግሩም ኪኸውን እዩ (2-6) 5 መዝሙር ኣታኽልቲ ወይኒ የሆዋ (1-7) ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ የሆዋ ዚወርድ ወዮ (8-24) ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ህዝቡ ይነድድ (25-30) 6 የሆዋ ኣብ ቤተ መቕደሱ ኸሎ እተራእየ ራእይ (1-4) “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ” (3) ከናፍር ኢሳይያስ ነጽሀ (5-7) ኢሳይያስ ተመዘዘ (8-10) “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” (8) “ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧” (11-13) 7 ናብ ንጉስ ኣሓዝ እተላእከ መልእኽቲ (1-9) ሸኣር-ያሹብ (3) ትእምርቲ ኣማኑኤል (10-17) ሳዕቤናት ጥልመት (18-25) 8 ምምጻእ ወራር ኣሶር (1-8) ማሃር-ሻላል-ሓሽ-ባዝ (1-4) ኣይትፍርህዎም–“ኣምላኽ ምሳና እዩ!” (9-17) ኢሳይያስን ደቁን ትእምርቲ ይዀኑ (18) ካብቲ ሕጊ ሕተቱ እምበር፡ ንኣጋንንቲ ኣይትሕተቱ (19-22) 9 ምድሪ ገሊላ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ (1-7) ልደት እቲ “መስፍን ሰላም” (6, 7) ኢድ ኣምላኽ ኣንጻር እስራኤል ኰነት (8-21) 10 ኢድ ኣምላኽ ኣንጻር እስራኤል ኰነት (1-4) ኣሶር–ሻቦጥ ቍጥዓ ኣምላኽ (5-11) ኣብ ኣሶር ዚወርድ መቕጻዕቲ (12-19) ተረፍ ያእቆብ ይምለስ (20-27) ኣምላኽ ንኣሶር ኪፈርዶ እዩ (28-34) 11 ጽድቂ ዝመልኦ ግዝኣት እቲ ውልዶ እሴይ (1-10) ተዅላን ገንሸልን ብሓባር ይዀኑ (6) ምድሪ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ (9) ተረፍ ኪምለሱ እዮም (11-16) 12 መዝሙር ምስጋና (1-6) ‘ያህ የሆዋ ብርታዐይ እዩ’ (2) 13 ኣንጻር ባቢሎን እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-22) መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ! (6) ሜዶናውያን ንባቢሎን ኪግልብጥዋ እዮም (17) ሰብ ኣብ ባቢሎን ከቶ ኣይኪነብርን እዩ (20) 14 እስራኤል ኣብ ምድሮም ኪቕመጡ እዮም (1, 2) ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን እተዘርበ ባጫ (3-23) እቲ ብሩህ፡ ካብ ሰማይ ኪወድቕ እዩ (12) ኢድ የሆዋ ነቲ ኣሶራዊ ኺሕምሽሾ እዩ (24-27) ኣንጻር ፍልስጥኤም እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (28-32) 15 ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-9) 16 ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ መልእኽቲ ይቕጽል (1-14) 17 ኣንጻር ደማስቆ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-11) የሆዋ ንኣህዛብ ኪገንሖም እዩ (12-14) 18 ኣንጻር ኢትዮጵያ እተዘርበ መልእኽቲ (1-7) 19 ኣንጻር ግብጺ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-15) ግብጺ ንየሆዋ ኽትፈልጦ እያ (16-25) ኣብ ግብጺ ንየሆዋ መሰውኢ ኺህሉ እዩ (19) 20 ምልክት እቲ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ኢትዮጵያን ዚወርድ ነገር (1-6) 21 ኣንጻር በረኻ ባሕሪ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-10) ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዄንካ ምሕላው (8) “ባቢሎን ወዲቓ!” (9) ኣንጻር ዱማን ጐልጐል ምድረ በዳን እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (11-17) “ኣታ ሓላዊ፡ ብዛዕባ ለይቲ እንታይ ትብል፧” (11) 22 ብዛዕባ ስንጭሮ ራእይ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-14) ሸብና እቲ ኣመሓዳሪ ቤት፡ ብኤልያቂም ተተክአ (15-25) ምሳልያዊ ሽንካር (23-25) 23 ብዛዕባ ጢሮስ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-18) 24 የሆዋ ነታ ምድሪ ጥራያ ይገብራ (1-23) የሆዋ ኣብ ጽዮን ነጊሱ (23) 25 ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ብዙሕ በረኸት (1-12) የሆዋ ዝገበሮ ድግስ ብሉጽ ወይኒ (6) ሞት ኣይኪህሉን እዩ (8) 26 ብዛዕባ እምንቶን ድሕነትን እተዘመረ መዝሙር (1-21) ያህ የሆዋ፡ ናይ ዘለኣለም ከውሒ (4) ነበርቲ ምድሪ ጽድቂ ይምሃሩ (9) “ምዉታትካ ብህይወት ኪነብሩ እዮም” (19) ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ፡ ተሓብኡ (20) 27 የሆዋ ንሌዋታን ኪቐትሎ እዩ (1) ብዛዕባ እስራኤል እታ ኣታኽልቲ ወይኒ እተዘመረ መዝሙር (2-13) 28 ሰኽራማት ኤፍሬም ወይለኦም! (1-6) ካህናትን ነብያትን ይሁዳ ሰንከልከል ኪብሉ እዮም (7-13) “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና” (14-22) ክቡር እምኒ መኣዝን ኣብ ጽዮን (16) ዘይልሙድ ዕዮ የሆዋ (21) ተግሳጽ የሆዋ ጥበብ ዝመልኦ ምዃኑ ዚሕብር ምሳሌ (23-29) 29 ኣቲ ኣርኤል፡ ወይለኺ! (1-16) ብኸናፍር ጥራይ ዚቐርብ ኣገልግሎት ተዀነነ (13) ጸማማት ኪሰምዑ፡ ዕዉራት ኪርእዩ እዮም (17-24) 30 ረድኤት ግብጺ ኸቶ ዘይጠቅም (1-7) ሰባት ነቲ ትንቢታዊ መልእኽቲ ይነጽግዎ (8-14) ብርታዐ ኣብ ምውካል ኪኸውን እዩ (15-17) የሆዋ ንህዝቡ ሞገስ ኬርእዮ እዩ (18-26) የሆዋ፡ እቲ ዓብዪ መምህር (20) “እታ መገዲ እዚኣ እያ” (21) የሆዋ ኣብ ኣሶር ፍርዱ ኺፍጽም እዩ (27-33) 31 ናይ ሓቂ ረድኤት ካብ የሆዋ እምበር፡ ካብ ሰባት ኣይርከብን (1-9) ኣፍራስ ግብጺ ስጋ እዮም (3) 32 ንጉስን መሳፍንቱን ምእንቲ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም (1-8) ንሸለልተኛታት ኣንስቲ እተዋህበ መጠንቀቕታ (9-14) መንፈስ ምስ ፈሰሰ ዚርከብ በረኸት (15-20) 33 ንጻድቕ ዚፍረደሉ ፍርድን ዚረኽቦ ተስፋን (1-24) የሆዋ ፈራድን ሓጋግ ሕግን ንጉስን እዩ (22) ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ (24) 34 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ዚፈድዮ ሕነ (1-4) ኤዶም ክትባድም እያ (5-17) 35 ገነት ክትምለስ እያ (1-7) ዕዉራት ኪርእዩ፡ ጸማማት ኪሰምዑ እዮም (5) ብጁዋት ብመገዲ ቕድስና ኺመላለሱ እዮም (8-10) 36 ሰናክሪብ ንይሁዳ ወረራ (1-3) እቲ ራብሳቀ ንየሆዋ ኣባጨወሉ (4-22) 37 ህዝቅያስ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ኻብ የሆዋ ረድኤት ደለየ (1-7) ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ኣስግኣ (8-13) ጸሎት ህዝቅያስ (14-20) ኢሳይያስ ምላሽ ኣምላኽ ኣመሓላለፈ (21-35) ሓደ መልኣኽ 185,000 ኣሶራውያን ቀተለ (36-38) 38 ህዝቅያስ ሓመመን ሓወየን (1-22) መዝሙር ምስጋና (10-20) 39 ካብ ባቢሎን ልኡኻት መጹ (1-8) 40 ንህዝቢ ኣምላኽ ኣጸናንዕዎ (1-11) ድምጺ ኣብ በረኻ (3-5) ዕቤት ኣምላኽ (12-31) ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኻብ መገለል (15) ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ “ኸባብ ምድሪ” ይቕመጥ (22) ንኸዋኽብቲ ብስሞም ይጽውዖም (26) ኣምላኽ ከቶ ዘይደክም እዩ (28) ብየሆዋ ተስፋ ምግባር ሓድሽ ብርታዐ ይህብ (29-31) 41 ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዝተንስአ ሰዓሪ (1-7) እስራኤል ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኪኸውን ተሓርየ (8-20) “ኣብርሃም ፈታውየይ” (8) ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብድሆ ቐረበሎም (21-29) 42 ጊልያ ኣምላኽን ተልእኾኡን (1-9) ‘ስመይ የሆዋ እዩ’ (8) ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ውዳሰ (10-17) እስራኤል ዕዉራትን ጸማማትን ኰይኖም (18-25) 43 የሆዋ ንህዝቡ መሊሱ ኺእክቦም እዩ (1-7) ኣማልኽቲ ኣብ ፍርዲ ቐረቡ (8-13) “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” (10, 12) ካብ ባቢሎን ክትወጹ ኢኹም (14-21) “ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘሎ ነገር ነቕርብ” (22-28) 44 እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽቦ በረኸት (1-5) ብዘይካ የሆዋ፡ ኣምላኽ የልቦን (6-8) ሰብ ዚገብሮም ጣኦታት፡ ስራሕ ዕሽነት እዮም (9-20) የሆዋ፡ ተበጃዊ እስራኤል (21-23) ቂሮስ ዳግም ኪሃንጽ እዩ (24-28) 45 ቂሮስ ንባቢሎን ኪሕዝ ተቐብአ (1-8) ካይላ ምስ ሰራሕ ካይላ ኺከራኸር ኣይክእልን (9-13) ካልኦት ኣህዛብ፡ እንታይነት እስራኤል ይፈልጡ (14-17) ኣምላኽ ዜተኣማምን ፈጣርን ገላጽን እዩ (18-25) ምድሪ ኺንበረላ ተፈጢራ (18) 46 ኣብ መንጎ ጣኦታት ባቢሎንን ኣምላኽ እስራኤልን ዘሎ ንጽጽር (1-13) የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ኺነግር ይኽእል (10) ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጽእ ኣሞራ (11) 47 ውድቀት ባቢሎን (1-15) ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ተቓልዑ (13-15) 48 እስራኤል ተገንሐን ጸረየን (1-11) የሆዋ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዚወስዶ ስጕምቲ (12-16ሀ) ትምህርቲ ኣምላኽ ጠቓሚ እዩ (16ለ-19) “ካብ ባቢሎን ውጹ!” (20-22) 49 ንጊልያ የሆዋ እተዋህበ ዕዮ (1-12) ብርሃን ኣህዛብ (6) ንእስራኤል እተዋህበ መጸናንዒ (13-26) 50 ሓጢኣት እስራኤል ጸገማት ይፈጥር (1-3) እዙዝ ጊልያ የሆዋ (4-11) ልሳንን እዝንን እተማህሩ (4) 51 ጽዮን ከም ስፍራ ኣታኽልቲ ኤደን ክትከውን እያ (1-8) ንጽዮን ካብቲ ብርቱዕ ገባሪኣ እተዋህባ መጸናንዒ (9-16) ጽዋእ ቍጥዓ የሆዋ (17-23) 52 ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ! (1-12) ጽቡቓት ኣእጋር እቶም ብስራት ዜበስሩ (7) ሓለውቲ ጽዮን ብሓደ እልል ይብሉ (8) እቶም ኣቕሑ የሆዋ ዚጾሩ ንጹሃት ኪዀኑ ይግባእ (11) ጊልያ የሆዋ ልዕል ኪብል እዩ (13-15) መልክዑ ተጸይቑ (14) 53 መከራን ሞትን ኣቀባብራን ጊልያ የሆዋ (1-12) ንዑቕን እተጐስየን (3) ሕማምናን ስቓይናን ጾረ (4) “ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ” (7) ሓጢኣት ብዙሓት ተሰከመ (12) 54 እታ መኻን ጽዮን፡ ብዙሓት ውሉዳት ኪህልውዋ እዮም (1-17) የሆዋ፡ ንጽዮን ሰብኣያ (5) ደቂ ጽዮን ብየሆዋ ኺምሃሩ እዮም (13) ኣንጻር ጽዮን እተሰርሐ ኣጽዋር ኪፈሽል እዩ (17) 55 ብናጻ ንምብላዕን ንምስታይን ዝቐረበ ዕድመ (1-5) ንየሆዋን ነቲ ዜተኣማምን ቃሉን ድለዩ (6-13) መገድታት ኣምላኽ ካብ መገድታት ሰብ ይልዕል (8, 9) ቃል ኣምላኽ ብርግጽ ኬስልጥ እዩ (10, 11) 56 ጓኖትን ስሉባትን ዚረኽብዎ በረኸት (1-8) ንዅሎም እትኸውን ቤት ጸሎት (7) ዕዉራት ሓለውቲ፡ ዓባሳት ኣኽላባት (9-12) 57 ጻድቕን እሙናትን ጠፍኡ (1, 2) መንፈሳዊ ምንዝርና እስራኤል ተቓልዐ (3-13) ንትሑታት እተዋህበ መጸናንዒ (14-21) እኩያት ከም ዚናወጽ ባሕሪ እዮም (20) ንእኩያትሲ ሰላም የብሎምን (21) 58 ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ጾም (1-12) ሰንበት ብምሕላው ደስታ ምርካብ (13, 14) 59 ሓጢኣት እስራኤል ካብ ኣምላኽ የርሕቕ (1-8) ኑዛዜ ሓጢኣት (9-15ሀ) የሆዋ ንዚንስሑ ይድግፎም (15ለ-21) 60 ክብሪ የሆዋ ኣብ ጽዮን በሪሁ (1-22) ናብ ኣባይተን ከም ዚነፍራ ረገቢት (8) ኣብ ክንዲ ነሓሲ፡ ወርቂ (17) እቲ ሒደትሲ ሽሕ ኪኸውን እዩ (22) 61 ከበስሮም ተቐቢአ (1-11) “ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ የሆዋ” (2) “ዓበይቲ ኣእዋም ጽድቂ” (3) ጓኖት ኪሕግዙ እዮም (5) “ካህናት የሆዋ” (6) 62 ሓድሽ ስም ጽዮን (1-12) 63 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ዚፈድዮ ሕነ (1-6) የሆዋ ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ (7-14) ጸሎት ንስሓ (15-19) 64 ጸሎት ንስሓ ይቕጽል (1-12) የሆዋ፡ “ዝገበርካና ሰራሕ ካይላ” (8) 65 የሆዋ ንኣምለኽቲ ጣኦት ዝፈረዶም ፍርዲ (1-16) ኣማልኽቲ ጽቡቕ ዕድልን ጽሕፍቶን (11) ‘ገላዎይ ኪበልዑ እዮም’ (13) ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን (17-25) ኣባይቲ ኺሃንጹ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ (21) ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን (23) 66 ናይ ሓቂ ኣምልኾን ናይ ሓሶትን (1-6) ጽዮንን ደቃን (7-17) ህዝቢ ኣብ የሩሳሌም ንኣምልኾ ኺእከቡ እዮም (18-24)