ንኻልኦት ንምምሃር ክእለት ዘለዎምን ዕጡቓትን
1 ሙሴ ናይ የሆዋ ወኪል ኰይኑ ምስ ተመዘዘ: ቃል ኣምላኽ ንፈርኦን ክነግር ክእለት ዘለዎ ኰይኑ ኣይተሰምዖን። (ዘጸ. 4:10፣ 6:12) ኤርምያስ እውን ዘረባ ከም ዘይክእል ንኣምላኽ ብምንጋር ከም ነብዪ የሆዋ ኰይኑ ከገልግል ምትእምማን ከም ዘይብሉ ገለጸ። (ኤር. 1:6) ክልቲኦም እዞም ነብያት እዚኣቶም ኣብ መጀመርታ ክእለት ከም ዘይብሎም ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዖም: ክምህ ዘይብሉ መሰኻኽር የሆዋ ምዃኖም ግን ኣረጋጊጾም ኢዮም። ኣምላኽ ብዝግባእ ክእለት ከም ዝህልዎም ገይርዎም ኢዩ።
2 ኣብዚ እዋን እዚ ኣገልግሎትና እምንቶ ኣሕዲርና ክንፍጽመሉ እንኽእል ዘድልየና ነገራት ስለ ዘሎና ንየሆዋ ምስጋና ይኹኖ። (2 ቈረ. 3:4, 5፣ 2 ጢሞ. 3:17) ልክዕ ከም ሓደ ምሉእ መሳርሒ ዘለዎ ክኢላ መካኒክ: ነቲ እተመደብናሉ ኣገልገሎት ውሕሉል ብዝዀነ መገዲ ንምፍጻም ብግቡእ ተዓጢቕና ኢና። ኣብ ጥሪ ዝዀነ ይኹን ቅድሚ 1984 እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ መጻሕፍቲ ክንዕድል ኢና። ስለዚ ድማ እታ ጉባኤ ነቲ ክህልዋ ዝኽእል ከም እኒ ሊስኒን ቱ ዘ ግሬት ቲቸር: ጎድስ “ኢተርናል ፐርፐዝ ” ናው ትራያምፊን ፎር ማንስ ጉድ: ወይ ድማ ማንስ ሳልቬሽን ኣውት ኦቭ ዎርልድ ዲስትረስ ኣት ሃንድ! ዝኣመሰለ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ክትዕድል ትኽእል ኢያ። ሳርቫይቫል ኢን ቱ ኤ ኒው ኤርዝ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ እውን ክንዕድል ንኽእል ኢና። ሽሕ’ኳ እዘን መንፈሳውያን መሳርሒታት እዚኣተን ሓደስቲ እንተ ዘይኰና እቲ ሒዘንኦ ዘለዋ ቅዱስ ጽሑፋዊ ቁም ነገር ግን ጌና እዋናዊ ኢዩ: ንብዙሓት ሰባት ከኣ ሓቂ ንኽምሃሩ ክሕግዝኦም ኢየን። እዚ ቀጺሉ ዘሎ ኣቀራርባታት ንዝዀነት እትዕድላ መጽሓፍ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
3 ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገዳስነት ከም ዝህልዎም ንምግባር ትምህርቲ ዝብል ኣርእስቲ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝርርብ ክትከፍት ትኽእል:-
◼ “ሎሚ ዝበለጸ ትምህርቲ ንምርካብ ዝምልከት ብዙሕ ተገዳስነት ኣሎ። ብናትካ ኣረኣእያ: ኣብ ህይወት ዝዓበየ ሓጐስን ዓወትን ከም እትረክብ ንምግባር ውሕስነት ክኸውን ዝኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ እንታይ ዓይነት ኢዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቶም ፍልጠት ኣምላኽ ዝሕዙ ሰባት ዘለኣለማዊ ጥቕምታት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። [ምሳሌ 9:10, 11 ኣንብብ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ [ናይታ እትዕድላ ዘሎኻ መጽሓፍ አርእስቲ ንገሮ] ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ኢያ። ናብቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዝርከበሉ እንኮ ምንጪ ድማ እትሕብር ኢያ።” ካብታ መጽሓፍ ፍሉይ ኣብነት ጥቐስ (ንኣብነት: ኣብታ ሳርቫይቫል እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 2 ቍጽሪ 5)። ነታ መጽሓፍ ዓድላ: ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ድማ መደብ ግበር።
4 ናብቲ ብዛዕባ ኣገዳስነት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘራሪብካዮ ዝነበርካ በዓል ቤት ክትምለስ ከሎኻ: ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብቲ ቐዳማይ እግረይ: መጽሓፍ ቅዱስ ናይቲ ንዘለኣለማዊ መጻኢና ውሕስነት ክዀነና ዝኽእል ጥበብን ትምህርትን ምንጪ ምዃኑ ተዘራሪብና ነይርና። ነቲ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንፈልጦ ዘድልየና ነገራት ንምምሃር ጻዕሪ ከም ዘድሊ ሓቂ ኢዩ። [ምሳሌ 2:1-5 ኣንብብ።] ብዙሓት ሰባት ንገለ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ክርድእዎ ከቢድ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ሰባት ብዛዕባ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ክማሃሩ ምእንቲ ክንሕግዞም ኣብ ብዙሕ ቦታታት እንጥቀመሉ ኣገባብ ኣሕጽር ኣቢለ ከርእየካ ምፈቶኹ።” ነታ ዝገደፍካሉ ሳርቫይቫል እትበሃል መጽሓፍ ገይርካ ናብ ከም ኣብ ገጽ 7 ቍጽሪ 7 ዝኣመሰለ ዝሰማማዕ ክፍሊ ኬድካ ኣሕጽር ኣቢልካ ብኸመይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝግበር ኣርእዮ። እቲ በዓል ቤት ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ነታ ንመጽናዕቲ እንጥቀመላ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ሒዝካ ከም እትመጽእ ግለጸሉ።
5 ነታ “ኢተርናል ፐርፐዝ ” እትበሃል መጽሓፍ ትጥቀም እንተድኣ ኣሊኻ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “[ሰላም በል።] ካብ ቃል ኣምላኽ ዘተባብዕ ሓሳባት ከነካፍለካ ደሊና ኣሎና። [ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:9, 10 ዘሎ ብምጥቃስ] የሱስ ከምዚ ኢልና ክንጽሊ ዝማሃረና ስለምንታይ ምዃኑ ሓሲብካዶ ትፈልጥ። ዋላ እኳ ኣብ ብዙሕ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እንተሎ ብዙሓት እንረኽቦም ሰባት ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ዳርጋ ሰሚዖም ኣይፈልጡን ኢዮም። ሓንቲ ሓጻር ቍጽሪ ከንብበልካ ኣፍቅደለይ። [ገጽ 16 ቍጽሪ 21 ገንጽል።] ድሕሪ ሓጺር እዋን ዘለኣለማዊ ዕላማ ኣምላኽ ምስ ተፈጸመ ስም ኣምላኽ ክቕደስ ኢዩ። እዚ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እውን እተተሓሓዘ ኢዩ። ብዛዕባ ትርጕም ናይቲ የሱስ ኣብ ናይ ኣብነት ጸሎቱ ዝጠቐሶ ቃላት ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝያዳ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ።”
6 ንብዙሓት ሃይማኖተኛታት ሰባት ምጽላይ ልሙድ ስለ ዝዀነ: በዚ ኣርእስቲ እዚ ገይርካ ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል:-
◼ “መብዛሕትና ኣብ ገለ እዋን ኣብ ህይወትና: ሓገዝ ደሊና ናብ ኣምላኽ ከም እንጽሊ ዝገበረና ገለ ግድላት ተመኪርና ኢና። ጌና ግን: ብዙሓት ጸሎቶም እተመለሰ ኰይኑ ኣይተሰመዖምን። ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኰይኖም ምእንቲ ሰላም ዝገበርዎ ጸሎት እውን ከይተረፈ እተሰምዐ ኣይመስልን ኢዩ። ከምዚ እንብል ድማ ውግእን ዓመጻን ጌና ንደቅሰብ የጨንቖም ስለ ዘሎ ኢዩ። ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ብሓቂ ይሰምዖ ድዩ፧ ጸሎት ዝሰምዕ እንተድኣ ዀይኑ: ብዙሕ ጸሎት ከይተመለሰ ዝተርፍ ዝመስል ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] መዝሙር 145:18 ጸሎትና መልሲ ንኽረክብ እንታይ ከም ዘድሊ ትገልጽ። [ጥቕሲ ኣንብብ።] ልዕሊ ዅሉ: ናብ ኣምላኽ ዝግበር ጸሎት ቅንዕና ዘለዎን ምስቲ ኣብ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዘሎ ሓቂ ድማ ዝሰማማዕን ክኸውን ኣለዎ።” እታ እትዕድላ ዘሎኻ መጽሓፍ ኣርእዮ: ብዛዕባ ቁም ነገር ጸሎት እንታይ ከም እትብል ድማ ሓብሮ። [ንኣብነት: ካብታ ኢተርናል ፐርፐዝ እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 190 ቍጽሪ 7: ወይ ድማ ካብታ ሳርቫይቫል እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 181 ቍጽሪ 14 ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።]
7 ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ጸሎት ዝገበርካዮ ምይይጥ ንምቕጻል ክትምለስ ከሎኻ: እዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ ጸሎት ዝገበርናዮ ምይይጥ ተሓጒሰሉ ኢየ። እቲ የሱስ ብዛዕባ እንታይ ከም እንጽሊ ዝገለጾ ሓሳባት ሓጋዚ መምርሒ ኰይኑ ከም እትረኽቦ ጥርጥር የብሉን።” ነቲ የሱስ ኣብታ ናይ ኣብነት ጸሎት ዝጠቐሶ ቀንዲ ዘገድሰና ነገራት ብምሕባር ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ። ነታ “ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርብ” እትብል ምዕራፍ 16 ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ኣርእዮ: እታ መጽሓፍ ብኸመይ ከም እትጽናዕ ከተርእዮ ፍቓደኛ እንተዀይኑ ድማ ሕተቶ።
8 ፍልጠት ኣምላኽ ንኻልኦት ምክፋልዛያዳ ንጽርቲ ንኽትከውን ኢየ እዛ ቃል እዚኣ መሪጸ ዝብል ሓሳባት ክለዓል ከሎ “ነዚ [ኽገብር] ክእለት ዘለዎ መን እዩ፧” ኢልና ንሓትት ንኸውን። ቅዱሳት ጽሑፋት “ንሕና” ዝብል መልሲ ይህብ።—2 ቈረ. 2:16, 17 NW