መሃልየ መሃልይ
7 “ኣቲ ኽብርቲ ጓል፡
ኣእጋርኪ ኣብ ኣሳእንኪ ኽንደይ ይጽብቓ!
ቅርጺ ሰለፍኪ ኸም ስልማት፡
ከም ዕዮ ኢደ ጥበበኛ እዩ።
2 ሕምብርትኺ ኸቢብ ጭሔሎ እዩ።
እተሓዋወሰ ወይኒ ኣይጕደሎ።
ከብድኺ ብዕምባባታት ሹሻን ከም እተኸብበ
ኵምራ ስርናይ እዩ።
3 ክልቲአን ኣጥባትኪ ኸም ክልተ ማሕስእ፡
ከምተን ናይ ሰስሓ ማንታ እየን።+
ኣፍንጫኺ ኸምቲ ናብ ደማስቆ ገጹ ዜርኢ
ግምቢ ሊባኖስ እዩ።
ንጉስ በቲ ዛውያኺ ተማሪኹ።*
6 ፍቕርተየ፡ ካብ ኵሉ ኣዝዩ ደስ ዜብል ንላዕልስ
ክንደይ ትጽብቒ፡ ክንደይከ ባህ ተብሊ!
8 ‘ኣብ ኦም ስየ ኽድይብ፡
ነቲ ጨናፍር ምስ ፍሪኡ ኽሕዝ እየ’ በልኩ።
ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፡
ትንፋስኪ ኸኣ ከም ቱፋሕ ምዑዝ ይኹን።
9 ኣፍኪ* ድማ ከም ብሉጽ ወይኒ ይኹን።”
“ከምቲ ኣብ ከናፍር እቶም ዝደቀሱ ቐስ ኢሉ ዚፈስስ፡
ንፍቱወይ ሰተት ኢሉ ይውረደሉ።
10 ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣+
ትምኒቱ ኸኣ ናባይ እዩ።
ኣብኡ ፍትወተይ ክገልጸልካ እየ።
ፍቱወየ፡ ሓድሽን ዝጸንሐን
ዓቚረልካ ኣለኹ።