መዝሙር።
98 ዜደንቕ ነገራት ገይሩ እዩ እሞ፡+
ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።+
የማናይ ኢዱ፡ እቲ ቕዱስ ቅልጽሙ፡ ድሕነት ኣምጺኡ።+
2 የሆዋ ድሕነቱ ኣፍሊጡ፣+
ጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገሊጹ።+
3 ንቤት እስራኤል ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ዘኪሩ።+
ኵሉ ወሰናት ምድሪ፡ ኣምላኽና ዝገበሮ ድሕነት ርእዩ።+
4 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።
ተሓጐሱ፡ እልል በሉ፡ ውዳሰ እውን ዘምሩ።+
5 ንየሆዋ ብመሰንቆ፡
ብመሰንቆን ብጥዑም መዝሙርን ውዳሰ ዘምሩሉ።
6 ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ንጉስ፡
ብመለኸትን ብደሃይ መለኸት ቀርንን ጭድርታ ዓወት ጨድሩ።+
7 ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን፡
ምድርን ኣብኣ ዚቕመጡን የንጐድጕዱ።
8 ኣፍላግ ብኣእዳዎም የጣቕዑ፣
ኣኽራን ሓቢሮም እልል ይበሉ፣+
9 ንሱ ንምድሪ ኺፈርዳ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እልል ይበሉ።
ንዓለም ብጽድቂ፡+
ንህዝብታት እውን ብቕንዕና ኺፈርድ እዩ።+