ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 መስከረም ገጽ 8
  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለካ ኸተወግዶ ዘሎካ ጌጋታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለካ ኸተወግዶ ዘሎካ ጌጋታት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ቀሊል
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ብኸመይ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝግበር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 መስከረም ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ሓደ ሓው ንተምሃራዩ ብዙሕ ይዛረቦ

ብዙሕ ምዝራብ፦ ንዅሉ ነገራት ክትገልጾ ዘለካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። የሱስ ሕቶታት ብምጥቃም ሰባት ኪሓስቡን ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሑን ይሕግዞም ነበረ። (ማቴ 17:24-27) ሕቶታት ምሕታት ነቲ መጽናዕቲ ሕያው ይገብሮ፣ ተምሃራይካ እንታይ ከም እተረድአን እንታይ ከም ዚኣምንን ክትውስን እውን ይሕግዘካ እዩ። (be 253 ¶2-3) ሕቶ ምስ ሓተትካ፡ ብትዕግስቲ መልሲ ተጸበ። እቲ ተምሃራይ ጌጋ መልሲ እንተ መሊሱ፡ ነቲ ቕኑዕ መልሲ ባዕልኻ ኣብ ክንዲ እትነግሮ፡ ተወሳኺ ሕቶታት ብምሕታት ኣብ ልክዕ መደምደምታ ኺበጽሕ ሓግዞ። (be 237 ¶1–238 ¶1) እቲ ተምሃራይ ሓድሽ ሓሳብ ኪቕበል ብዚኽእለሉ ፍጥነት ተዛረብ።—be 230 ¶4።

ስለምንታይ ከም እንኣርግ ዚገልጽ ኣዝዩ እተሓላለኸ ዝርዝር ነጥብታት

እተሓላለኸ ምግባር፦ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር እትፈልጦ ዘበለ ዅሉ ኻብ ምንጋር ተቘጠብ። (ዮሃ 16:12) ኣብቲ ቐንዲ ነጥቢ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኣተኵር። (be 226 ¶4-5) ዝርዝር ነገራት፡ ባህ ዜብል እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኪዓብጦ ይኽእል እዩ። (be 235 ¶3) እቲ ተምሃራይ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ እንተ ተረዲእዎ፡ ናብቲ ዚቕጽል ሕጡብ ጽሑፍ ስገር።

ሓደ ሓው ብዙሕ ሓሳባት ብምሃብ ንተምሃራዩ የደናግሮ

ነቲ ጽሑፍ ምሽፋን ጥራይ፦ ዕላማና፡ ልቢ ምትንካፍ እምበር ጽሑፍ ምሽፋን ኣይኰነን። (ሉቃ 24:32) ኣብቲ ትምህርቲ ንዘሎ ቐንዲ ጥቕስታት ብምጕላሕ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ዕየየሉ። (2ቈረ 10:4፣ እብ 4:12፣ be 144 ¶1-3) ቀሊል ምሳሌታት ተጠቐም። (be 245 ¶2-4) ናይቲ ተምሃራይ ብሕታዊ ጸገማትን እምነታትን ኣብ ግምት ኣእቱ፣ ነቲ ትምህርቲ ድማ ንዕኡ ብዚሰማማዕ መገዲ ኣቕርቦ። ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፦ “ብዛዕባ እቲ እትምሃሮ ዘለኻ ኸመይ ይስምዓካ፧” “እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧” “ነዚ ምኽሪ እዚ ምትግባር፡ እንታይ ጥቕሚ ዘለዎ ይመስለካ፧”—be 238 ¶2-4፣ 259 ¶1።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ