ዘሁልቍ
34 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ ‘ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡+ ወሰናት እታ ርስቲ ዀይና እትውሃበኩም ምድሪ፡ ማለት ምድሪ ከነኣን፡ እዚ እዩ።+
3 “‘ደቡባዊ ዶብኩም ካብቲ ኣብ ጐድኒ ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ኣትሒዙ ይኺድ፣ ብምብራቕ ዘሎ ናይ ደቡብ ዶብኩም ድማ ካብ ጫፍ ባሕሪ ጨው* ይኹን።+ 4 ዶብኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም+ ሓሊፉ ናብ ጺን ምእንቲ ኪቕጽል ኣንፈት ይቐይር፣ ጫፉ ኸኣ ደቡብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ይኹን። ብሓጻር-ኣዳር+ ኣቢሉ ኸይዱ ድማ ናብ ዓጽሞን ይቐጽል። 5 እቲ ዶብ ኣብ ዓጽሞን ናብ ርባ* ግብጺ ኣቢሉ ኣንፈት ይቐይር፣ ጫፉ ድማ ባሕሪ* ይኹን።+
6 “‘ምዕራባዊ ዶብኩም እቲ ዓብዪ ባሕርን* ገማግሙን ይኹን። ምዕራባዊ ዶብኩም እዚ ይኹን።+
7 “‘ሰሜናዊ ዶብኩም ከኣ እዚ ይኹን፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ምልክት ዶብኩም ግበሩ። 8 ካብ ከረን ሆር ክሳብ ለቦ-ሓማት*+ ምልክት ዶብ ግበሩ፣ ጫፍ እቲ ዶብ ድማ ኣብ ጸዳድ ይኹን።+ 9 እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ኣቢሉ ይኺድ፣ ጫፉ ኸኣ ሓጻር-ዔናን ይኹን።+ ሰሜናዊ ዶብኩም እዚ ይኹን።
10 “‘ብምብራቕ ድማ ካብ ሓጻር-ዔናን ክሳብ ሼፋም ዶብኩም ኪኸውን ምልክት ግበሩ። 11 እቲ ዶብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላ፡ ናብ ምብራቕ ዓዪን ኣቢሉ ይኺድ፣ እቲ ዶብ ከኣ ወሪዱ፡ ምብራቓዊ ቝልቍለት ባሕሪ ኪነረት* ይሳገር።+ 12 እቲ ዶብ ድማ ናብ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ይኺድ፣ ጫፉ ኸኣ ባሕሪ ጨው ይኹን።+ ምድርኹምን ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶባታን እዚ ይኹን።’”+
13 ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ከምቲ የሆዋ ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትውሃብ ዝኣዘዞ ጌርኩም ብዕጫ ተማቒልኩም እትርስተይዋ ምድሪ እዚኣ እያ።+ 14 ነገድ ሮቤላውያን በብማይ ቤቶምን ነገድ ጋዳውያን በብማይ ቤቶምን ፍርቂ ነገድ ምናሴንሲ ርስቶም ወሲዶም እዮም።+ 15 እቶም ክልተ ነገድን ፈረቓን ናብ ምብራቕ እቲ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ዘሎ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ናብ ሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ርስቶም ወሲዶም እዮም።”+
16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 17 “ስማት እቶም ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ ዚመቕሉኹም ሰባት እዚ እዩ፦ ካህን ኣልኣዛርን+ እያሱ+ ወዲ ነዌን። 18 ነታ ምድሪ ንርስትኹም ምእንቲ ኽትመቕልዋ ድማ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ።+ 19 ስማት እቶም ሰባት እዚ እዩ፦ ካብ ነገድ ይሁዳ፡+ ካሌብ+ ወዲ የፉነ፣ 20 ካብ ነገድ ደቂ ስምኦን፡+ ሸሙኤል ወዲ ዓሚሁድ፣ 21 ካብ ነገድ ብንያም፡+ ኤልዳድ ወዲ ኪስሎን፣ 22 ካብ ነገድ ደቂ ዳን፡+ ሹም ቡቂ ወዲ ዩግሊ፣ 23 ካብ ደቂ ዮሴፍ፡+ ካብ ነገድ ደቂ ምናሴ፡+ ሹም ሓኒኤል ወዲ ኤፎድ፣ 24 ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬም፡+ ሹም ቄሙኤል ወዲ ሺፍጣን፣ 25 ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎን፡+ ሹም ኤሊጻፋን ወዲ ጳርናክ፣ 26 ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮር፡+ ሹም ጳልጢኤል ወዲ ዓዛን፣ 27 ካብ ነገድ ደቂ ኣሴር፡+ ሹም ኣሒሁድ ወዲ ሸሎሚ፣ 28 ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌም፡+ ሹም ጰዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ።” 29 እቶም ንእስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ከነኣን ምድሪ ኺመቕልዎም የሆዋ ዝኣዘዞም እዚኣቶም እዮም።+