ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 48
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ትንቢት (1-47)

ኤርምያስ 48:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ውሑስ መዕቈቢ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:36, 37፣ ኢሳ 15:1
  • +ዘሁ 32:37, 38
  • +እያ 13:15, 19፣ ህዝ 25:9
  • +ኢሳ 15:2

ኤርምያስ 48:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:37፣ ኢሳ 16:8

ኤርምያስ 48:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 15:5፣ ኤር 48:34

ኤርምያስ 48:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 15:5

ኤርምያስ 48:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኹም።”

  • *

    ወይ፡ “ተርሚን።”

ኤርምያስ 48:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 21:29፣ 1ነገ 11:7

ኤርምያስ 48:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

  • *

    ወይ፡ “ከበሳ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 25:9

ኤርምያስ 48:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 2:9

ኤርምያስ 48:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:28, 29፣ ሆሴ 10:15፣ ኣሞ 5:5

ኤርምያስ 48:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 16:6

ኤርምያስ 48:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:8
  • +ኢሳ 34:2
  • +መዝ 24:8

ኤርምያስ 48:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 25:11

ኤርምያስ 48:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ኣጻምእ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 21:30፣ እያ 13:15, 17፣ ኢሳ 15:2
  • +ኤር 48:8

ኤርምያስ 48:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:34፣ ዘዳ 2:36

ኤርምያስ 48:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 21:13፣ እያ 13:8, 9

ኤርምያስ 48:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኸበሳ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 2:9
  • +ዘሁ 21:23፣ ኢሳ 15:4
  • +እያ 13:15, 18

ኤርምያስ 48:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:34
  • +ዘሁ 32:3, 4

ኤርምያስ 48:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:37፣ ኤር 48:1
  • +ዘሁ 32:37, 38፣ እያ 13:15, 17፣ ህዝ 25:9

ኤርምያስ 48:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 2:2

ኤርምያስ 48:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቀርኒ።”

ኤርምያስ 48:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:42
  • +ኤር 25:15, 16

ኤርምያስ 48:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 2:15፣ ጸፎ 2:8

ኤርምያስ 48:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 16:6፣ 25:10, 11፣ ጸፎ 2:9, 10

ኤርምያስ 48:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 3:24, 25፣ ኢሳ 16:7

ኤርምያስ 48:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 21:32፣ 32:34, 35፣ እያ 21:8, 39
  • +ዘሁ 32:37, 38፣ እያ 13:15, 19
  • +ኢሳ 16:8, 9፣ ኤር 48:8

ኤርምያስ 48:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:10
  • +ኢሳ 16:10

ኤርምያስ 48:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 21:25፣ እያ 13:15, 17
  • +ዘሁ 32:37፣ ኢሳ 16:9
  • +ዘሁ 21:23
  • +ኤር 48:2, 3
  • +ኢሳ 15:4-6

ኤርምያስ 48:36

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣብ ቀብሪ ብሓዘን ዚውቃዕ ሻምብቆ።

  • *

    ወይ፡ “ኪናወጸሉ።”

  • *

    ማለት፡ ኣብ ቀብሪ ብሓዘን ዚውቃዕ ሻምብቆ።

  • *

    ወይ፡ “ኪናወጸሎም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 16:11

ኤርምያስ 48:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 16:6
  • +ዘሌ 19:28
  • +ዘፍ 37:34፣ ኢሳ 15:2, 3

ኤርምያስ 48:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 4:19፣ ኣን 1:8
  • +ኤር 49:22

ኤርምያስ 48:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:29
  • +ኤር 30:11

ኤርምያስ 48:45

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 21:26, 28
  • +ዘሁ 24:17፣ ኣሞ 2:2

ኤርምያስ 48:46

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 21:29፣ 1ነገ 11:7
  • +ኤር 48:7

ኤርምያስ 48:47

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 25:11

ሓፈሻዊ

ኤር. 48:1ዘፍ 19:36, 37፣ ኢሳ 15:1
ኤር. 48:1ዘሁ 32:37, 38
ኤር. 48:1እያ 13:15, 19፣ ህዝ 25:9
ኤር. 48:1ኢሳ 15:2
ኤር. 48:2ዘሁ 32:37፣ ኢሳ 16:8
ኤር. 48:3ኢሳ 15:5፣ ኤር 48:34
ኤር. 48:5ኢሳ 15:5
ኤር. 48:7ዘሁ 21:29፣ 1ነገ 11:7
ኤር. 48:8ህዝ 25:9
ኤር. 48:9ጸፎ 2:9
ኤር. 48:131ነገ 12:28, 29፣ ሆሴ 10:15፣ ኣሞ 5:5
ኤር. 48:14ኢሳ 16:6
ኤር. 48:15ኤር 48:8
ኤር. 48:15ኢሳ 34:2
ኤር. 48:15መዝ 24:8
ኤር. 48:16ህዝ 25:11
ኤር. 48:18ዘሁ 21:30፣ እያ 13:15, 17፣ ኢሳ 15:2
ኤር. 48:18ኤር 48:8
ኤር. 48:19ዘሁ 32:34፣ ዘዳ 2:36
ኤር. 48:20ዘሁ 21:13፣ እያ 13:8, 9
ኤር. 48:21ጸፎ 2:9
ኤር. 48:21ዘሁ 21:23፣ ኢሳ 15:4
ኤር. 48:21እያ 13:15, 18
ኤር. 48:22ዘሁ 32:34
ኤር. 48:22ዘሁ 32:3, 4
ኤር. 48:23ዘሁ 32:37፣ ኤር 48:1
ኤር. 48:23ዘሁ 32:37, 38፣ እያ 13:15, 17፣ ህዝ 25:9
ኤር. 48:24ኣሞ 2:2
ኤር. 48:26ኤር 48:42
ኤር. 48:26ኤር 25:15, 16
ኤር. 48:27ድጕ 2:15፣ ጸፎ 2:8
ኤር. 48:29ኢሳ 16:6፣ 25:10, 11፣ ጸፎ 2:9, 10
ኤር. 48:312ነገ 3:24, 25፣ ኢሳ 16:7
ኤር. 48:32ዘሁ 21:32፣ 32:34, 35፣ እያ 21:8, 39
ኤር. 48:32ዘሁ 32:37, 38፣ እያ 13:15, 19
ኤር. 48:32ኢሳ 16:8, 9፣ ኤር 48:8
ኤር. 48:33ኤር 25:10
ኤር. 48:33ኢሳ 16:10
ኤር. 48:34ዘሁ 21:25፣ እያ 13:15, 17
ኤር. 48:34ዘሁ 32:37፣ ኢሳ 16:9
ኤር. 48:34ዘሁ 21:23
ኤር. 48:34ኤር 48:2, 3
ኤር. 48:34ኢሳ 15:4-6
ኤር. 48:36ኢሳ 16:11
ኤር. 48:37ኤር 16:6
ኤር. 48:37ዘሌ 19:28
ኤር. 48:37ዘፍ 37:34፣ ኢሳ 15:2, 3
ኤር. 48:40ድጕ 4:19፣ ኣን 1:8
ኤር. 48:40ኤር 49:22
ኤር. 48:42ኤር 48:29
ኤር. 48:42ኤር 30:11
ኤር. 48:45ዘሁ 21:26, 28
ኤር. 48:45ዘሁ 24:17፣ ኣሞ 2:2
ኤር. 48:46ዘሁ 21:29፣ 1ነገ 11:7
ኤር. 48:46ኤር 48:7
ኤር. 48:47ህዝ 25:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
  • 47
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 48:1-47

ኤርምያስ

48 ብዛዕባ ሞኣብ፡+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦

“ጠፊኣ እያ እሞ፡ ወይለኣ ኔቦ!+

ቂርያታዪም+ ሓፊራን ተታሒዛን ኣላ።

እቲ እምባ* ሓፊሩን ፈሪሱን እዩ።+

 2 ድሕሪ ደጊም ንሞኣብ ኣይኪውድስዋን እዮም።

‘ንዑ፡ ህዝቢ ኸይትኸውን ነጥፍኣያ’ ኢሎም

ኣብ ሔስቦን+ ውድቀታ ኣሊሞምላ ኣለዉ።

ኣቲ ማድሜን እውን፡

ሰይፊ ይስዕበኪ ኣሎ እሞ፡ ስቕ በሊ።

 3 ካብ ሖሮናይም+ ደሃይ ኣውያት፡

ደሃይ ጥፍኣትን ዓብዪ ውድቀትን ይስማዕ ኣሎ።

 4 ሞኣብ ተሰይራ እያ።

ደቃ ብኽያቶም የስምዑ ኣለዉ።

 5 ኣብ ዓቐበት ሉሒት እናበኸዩ ይድይቡ ኣለዉ፣

ካብ ሖሮናይም ኣብ ዜውርድ ቍልቍለት ድማ ብሰንኪ መዓት ደሃይ ጭንቂ ይስማዕ ኣሎ።+

 6 ህደሙ፡ ንህይወትኩም* ኢልኩም ኣምልጡ!

ከም ኦም ጽሕዲ* ኣብ በረኻ ኹኑ።

 7 ብግብርታትክን ብመዛግብትኽን ስለ እተኣመንኪ፡

ንስኺ እውን ክትተሓዚ ኢኺ።

ከሞሽ+ ከኣ ምስ ካህናቱን መሳፍንቱን

ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ።

 8 እቲ መጥፍኢ ናብ ኵለን ከተማታት ኪመጽእ እዩ፣

ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይከተምልጥን እያ።+

ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ ስንጭሮ* ኺጠፍእ፡

ጐልጐል* እውን ኪበርስ እዩ።

 9 ሞኣብ እናዓነወት ክትሃድም እያ፡

ከተማታታ እውን ነባሪ ዘይብለን መሰክሒ

ኪዀና እየን እሞ፡

ምልክት ግበሩላ።+

10 ተልእኾ የሆዋ ብሸለልትነት ዚፍጽም ርጉም ይኹን!

ሰይፉ ኻብ ምፍሳስ ደም ዚገትእ ርጉም ይኹን!

11 ሞኣባውያን ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም፡

ኣብ ልዕሊ ሓተላኡ ኸም ዝጸንሐ ወይኒ ኣይተረበሹን።

ካብ ሓደ ኣቕሓ ናብ ካልእ ኣቕሓ ኣይተገልበጡን፣

ናብ ምርኮ ኣይከዱን።

ስለዚ እዩ ጣዕሞም ዘይተለወጠ፡

መዓዛኦም እውን ዘይተቐየረ።

12 “‘ስለዚ፡ እንሆ፡ ዚገላብጥዎም ሰባት ዚሰድደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ። ‘ኪግልብጥዎምን ንኣቕሑኦም ጥራዩ ኺገብርዎን እዮም፣ ንኣጋንኦም ከኣ ኪሕምሽሽዎ እዮም። 13 ከምቲ ቤት እስራኤል በታ እምንቶኡ ዝዀነት ቤት-ኤል ዝሓፈረ፡ ሞኣባውያን ድማ ብከሞሽ ኪሓፍሩ እዮም።+

14 “ንውግእ እተዳሎና ሓያላት ጀጋኑ ኢና” እትብሉስ ክንደይ ትደፍሩ፧+

15 ‘ሞኣብ ጠፊኣ እያ፣

ከተማታታ ኸኣ ተወሪረን እየን፣+

ሕሩያት ኣጕባዞም እውን ተሓሪዶም እዮም’+

ይብል እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ።+

16 ጭንቂ ሞኣባውያን ኣብ ቀረባ ግዜ ይመጽእ ኣሎ፣

ውድቀቶም እውን ብቕልጡፍ ይቐርብ ኣሎ።+

17 ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ፡

ኵሎም እቶም ስሞም ዚፈልጡ፡ ኪድንግጹሎም እዮም።

‘ኣየ እቲ ሓያል በትሪ፡ እቲ ዘንጊ ጽባቐ ኸመይ ኰን እዩ እተሰብረ!’ በልዎም።

18 ኣቲ ኣብ ዲቦን+ እትነብሪ ጓል፡ እቲ መጥፍኢ ሞኣብ ናባኺ ደዪቡ፡

ንዕርድታትኪ ኸኣ ኬዕንዎ እዩ እሞ፡+

ካብ ክብርኺ ውረዲ፣

ጸሚእኪ* እውን ኮፍ በሊ።

19 ኣቲ ነባሪት ዓሮዔር፡+ ኣብ ጥቓ መገዲ ደው ኢልኪ ጠምቲ።

ነቲ ዚሃድምን ነታ እተምልጥን፡ ‘እንታይ እዩ ዀይኑ፧’ ኢልኪ ሕተቲ።

20 ሞኣብ ሓፊራን ተሸቢራን ኣላ።

ዋይዋይ በሉን ኣእውዩን።

ሞኣብ ከም ዝጠፍአት፡ ኣብ ኣርኖን+ ኣውጁ።

21 “ፍርዲ ናብ ምድሪ ጐልጐል፡*+ ኣብ ልዕሊ ሖሎንን ያሃጽን+ ሜፋዓትን+ መጺኡ ኣሎ፣ 22 ኣብ ልዕሊ ዲቦንን+ ኔቦን+ ቤት-ዲብላታይምን፡ 23 ኣብ ልዕሊ ቂርያታዪምን+ ቤት-ጋሙልን ቤት-ምዖንን፡+ 24 ኣብ ልዕሊ ቄሪዮትን+ ቦጽራን፡ ኣብ ልዕሊ ዅለን እተን ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ዘለዋ ኸተማታት ምድሪ ሞኣብ እውን ይመጽእ ኣሎ።

25 ‘ብርታዐ* ሞኣብ ተቘሪጹ፡

ቅልጽሙ ኸኣ ተሰይሩ እዩ’ ይብል የሆዋ።

26 ‘ንየሆዋ ርእሱ ኣልዒሉሉ እዩ እሞ፡+ ኣስክርዎ።+

ሞኣብ ኣብ ትፋኡ የንገርግር ኣሎ፣

መላገጺ ድማ ኰይኑ ኣሎ።

27 እስራኤልዶ መላገጺ ዀይኑካ ኣይነበረን፧+

ርእስኻ ኽትንቕንቕን ኣንጻሩ ኽትዛረብንሲ፡

ኣብ መንጎ ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ፧

28 ኣቱም ነበርቲ ሞኣብ፡ ካብ ከተማታት ወጺእኩም ኣብ ኣኻውሕ ንበሩ፣

ከምታ ኣብ ገማግም ጸድፊ ሰፈራ እትሰርሕ ርግቢ እውን ኩኑ።’”

29 “ብዛዕባ ትምክሕቲ ሞኣብ፡—ኣዝዩ ዕቡይ ምዃኑ፡—

ብዛዕባ ዅርዓቱን ትምክሕቱን ትዕቢቱን ልዕልና ልቡን ሰሚዕና ኣለና።”+

30 “‘ነድሩ እፈልጥ እየ’ ይብል የሆዋ፡

‘እቲ ባዶ ዘረባኡ ግና ከንቱ ኪኸውን እዩ።

ሓንቲ እኳ ኣይኪገብሩን እዮም።

31 ስለዚ፡ ንሞኣብ ዋይዋይ ክብለሉ፡

ንዅሉ ሞኣብ ድማ ክበኽየሉ፡

ንሰብ ቂር-ሔሬስ+ እውን ክቝዝመሎም እየ።

32 ካብቲ ንያዕዜር+ እተበኽየላ ብኽያት ዚበዝሕ ገይረ፡

ኣቲ ተኽሊ ወይኒ ሲብማ፡+ ንዓኺ ኽበኽየልኪ እየ።

እቲ ዚጭብጭብ ጨናፍርኪ፡ ባሕሪ ሰጊሩ።

ናብ ባሕሪ፡ ናብ ያዕዜር በጺሑ።

ኣብ ፍረ ሓጋይክን ኣብ ምህርቲ ወይንኽን፡

እቲ መጥፍኢ ወሪዱ።+

33 ታሕጓስን ደስታን ካብ ግራት ፍረታትን

ካብ ምድሪ ሞኣብን ጠፊኡ።+

ወይኒ ኻብ መጽመቚኡ ኸም ዘይውሕዝ ገይረዮ።

እልል እናበለ ዚረግጽ ድማ ኣይኪህሉን እዩ።

እቲ ደሃይሲ እተፈልየ ደሃይ ኪኸውን እዩ።’”+

34 “‘ካብ ሔስቦን+ ክሳብ ኤልዓለ+ ኣውያት ኣሎ።

ክሳብ ያሃጽ፡+ ካብ ጾዓር ክሳብ ሖሮናይምን+ ክሳብ ኤግላት-ሸሊሽያን

ድምጾም ዓው የብሉ ኣለዉ።

ማያት ኒምሪም እኳ ኺባድም እዩ።+

35 ናብ በሪኽ መስዋእቲ ዜምጽእን

ንኣምላኹ ዚስውእን

ካብ ሞኣብ ከጥፍእ እየ’ ይብል የሆዋ።

36 ‘ስለዚ፡ ልበይ ንሞኣብ ከም ሻምብቆ* ኪቝዝመሉ፡*+

ልበይ ንሰብ ቂር-ሔሬስ ከም ሻምብቆ* ኪቝዝመሎም* እዩ።

እቲ ዘጥረዮ ሃብትስ ኪጠፍእ እዩ።

37 ኵሉ ርእስስ መላጥ፡+

ኵሉ ጭሕሚ እውን ቍሩጽ እዩ።

ኣብ ኵሉ ኢድ ብጣሕ፡+

ኣብ ሓቛቝ ከኣ ማቕ ኣሎ!’”+

38 “‘ንሞኣብ ከም ድርቡይ ኣቕሓ

ሰይረያ እየ እሞ፡

ኣብ ኵሉ ናሕስታት ሞኣብን

ኣብ ኵሉ ኣደባባያታን

ዋይዋይታ ጥራይ እዩ ዘሎ’ ይብል የሆዋ።

39 ‘ኣየ ኸመይ ኰን እያ እተሸበረት! ዋይዋይ በሉ!

ሞኣብሲ ኸመይ ኰን እዩ ብሕፍረት ዝባኑ ዝመለሰ!

ሞኣብ መላገጺ ዀይኑ፡

ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ዅሎም መሸበሪ ዀይኑ።’”

40 “የሆዋስ ከምዚ ይብል፦

‘እንሆ፡ ከምቲ ንስሪ ዚንቈት፡+

ንሱ ኣኽናፉ ኣብ ልዕሊ ሞኣብ ኪዝርግሕ እዩ።+

41 እተን ከተማታት ኪማረኻ፡

ዕርድታታ ድማ ኪትሓዛ እየን።

በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ልቢ ጀጋኑ ሞኣብ፡

ከም ልቢ ሓንቲ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።’”

42 “‘ሞኣብ ንየሆዋ ርእሱ ኣልዒሉሉ እዩ እሞ፡+

ህዝቢ ኻብ ምዃን ኪጠፍእ እዩ።+

43 ኣታ ነባሪ ሞኣብ፡

ሽበራን ጕድጓድን መጻወድያን ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ’ ይብል የሆዋ።

44 ‘ካብ ሽበራ ዚሃድም፡ ናብ ጕድጓድ ኪወድቕ፡

ካብ ጕድጓድ ዚወጽእ ድማ፡ ብመጻወድያ ኺትሓዝ እዩ።’

‘ኣነስ ኣብ ሞኣብ ዓመት መቕጻዕቶም ከምጽእ እየ’ ይብል የሆዋ።

45 ‘እቶም ዚሃድሙ፡ ኣብ ጽላሎት ሔስቦን፡ ብዘይ ሓይሊ ደው ኢሎም ኣለዉ።

ካብ ሔስቦንሲ ሓዊ፡

ካብ ሲሆን ከኣ ሃልሃልታ ኺወጽእ እዩ።+

ንግምባር ሞኣብ፡

ንቐረንቀራ ደቂ ህውከት ኪበልዕ እዩ።’+

46 ‘ኣታ ሞኣብ፡ ወይለኻ!

ህዝቢ ከሞሽ+ ጠፊኡ እዩ።

ኣወዳትካስ ተማሪኾም ተወሲዶም እዮም፣

ኣዋልድካ እውን ናብ ምርኮ ኸይደን እየን።+

47 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና፡ ንምሩኻት ሞኣብ ክእክቦም እየ’ ይብል የሆዋ።

‘ፍርዲ ሞኣብ ክሳብ ኣብዚ እዩ።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ